ሰብኣይን ሰበይትን ፖሊስ ኣመሪካ ብሰንኪ ናዕቢ ካፒቶል ካብ ስራሕ ተሰጕጎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ኢቨርትን ካይትሊን ኢቨርትን ዝተብሃሉ ሰብ ሓዳር ኣባላት ፖሊስ ስያትል ኣብቲ ናይ ካፒቶል መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉ ብምርመራ ምስተረጋገጸ’ዩ ካብ ስርሖም ንኽሰጎጉ ዝተወሰነ።
ንሳቶም ክልኩል ሕግታት ጢሒሶም ኣብ ናዕብታት ብቐጥታ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ’ሎ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 535 ናዕበኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናይቲ መረጻ ተዓዋታይ ከምዝኾነ ምስተገለጸ እዚ ዘይተዋሕጠሎም ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ካብ ዝረበሹ ሰባት ዛጊድ እቶም ውሑዳት ጥራይ እዮም ፍርዲ ረኺቦም።
በቲ ናይ ሽዑ መጥቃዕቲ ዶናልድ ትራምፕ ሰባት ኣነዓዒብካ ብዝብል ፖለቲካዊ ክሲ ተመስሪትሉ ዝነበረ ኮይኑ ንሱ ግን ነቲ ብሰብ ሞያ ሕጊ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።
እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ንኽባረሩ ዝወሰነ ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ ስያትል ኣድርያን ዳያዝ ኮይኑ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ’ዩ ተወሲኑ።
እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ፖሊስ ነቲ ተግባር ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝፈጸምዎ ብምርመራ ተረጋጹ’ዩ።
ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ ስያትል ዳኣዝ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ብኣኽበርቲ ሕጊ ክፍጸም እንከሎ ትዕግስቲ ኣየድልን ኢሉ።
እቶም ክስጎጉ ዝተወሰነሎም ምርዑዋት ፖሊስ ናዕበኛታት ደገፍቲ ትራምፕ ቅድሚ ናብ ካፒቶል ምዝላቖም ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።
ንሳቶም ግን ካብቲ ዝነበረ ሰልፊ ቅሩብ ፈንተት ኢሎም ከምዝነበሩን ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘይዋዓልዎ’ዮም ዝዛረቡ።
ኮሚቴ ኮንግረሽናል ቅድሚ ናብ ምርመራ ምእታዉ ንካፒቶል ዝተኸላለኸሉ ኣባላት ፖሊስ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ምስክርነቶም ሂቦም።
ካብኣቶም ሓደ ዝኾነ ፖሊስ ኣኩሊኖ ጎኔል ብእቶም ናዕበኛታት ከይህሰ ፈሪሑ ከምዝነበረ ዝሓበረ ኮይኑ ካልእ ጸሊም ፖሊስ ኣመሪካ ብወገኑ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







