ኣብ ባንግላድሽ 17 ዕዱማት መርዓ ብሓደጋ መብረቕ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ባንግላድሽ ኣብ ሓደ ናይ መርዓ ድግስ ብዘጋጠመ ሓደጋ መብረቕ ብውሑድ 17 ዕዱማት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ገሊጾም፡፡
እቲ መርዓዊ ሓዊሱ ካልኦት 14 ሰባት ጉድኣት እንተጋጥሞም እታ መርዓት ግን ኣብቲ ድግስ ኣይነበረትን፡፡
እቶም ዕዱማት ኣብ ከተማ ሺባጋንጅ፡ ናብ እንዳ ጓል ንምኻድ ካብ ጀልባ እናወረዱ እናሃለዉ እዮም ብሓያል መብረቕ ተወቒዖም፡፡
እቶም ሰባት ብተደጋጋሚ መብረቕ ከምዝተሃረሙ እውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ።
ኣብ ሃገራት ደቡብ ኤሽያ፡ ዓመታዊ ብዙሓት ሰባት ብሓደጋ መብረቕ ይሞቱ፡፡
ኣብ 2016፡ ባንግላድሽ ኣብ ሓደ መዓልቲ 80 ሰባት ሓዊሱ ኣብ ወርሒ ጉንበት ጥራሕ ብሓደጋ መብረቕ 200 ሰባት ምስ ሞቱ ሓደጋ መብረቕ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኢላ መዝጊባቶ።
ብርሰት ኣግራብ ሓደ ምኽንያት ምውሳኽ በዝሒ ቀታሊ መብረቕ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ሰብሞያ፡ ምኽንያቱ ድማ ነቲ መብረቕ ክስሕቡ ዝኽእሉ ነዋሕቲ ኣግራብ ምጥፈኦም ከም ዝኾነ ይዛረቡ፡፡


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







