ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ጨረታ ፍቓድ ኣገልግሎት ቴሌኮም ክተውጽእ እያ

ኢትዮቴሌኮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ጨረታ ፍቓድ ቴሌኮም ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ከምእተውጽእ፡ ንኽልተ ሰብመዚ ብምጥቃስ ወኪል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ንጨረታ ዝወጽእ ናይ ኣገልግሎት ፍቓድ ብተንቃሳቓሲ ስልኪ ዝግበር ምትዕድዳግ ዘካትት ከምዝኾነ እውን ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እቲ ዓውዲ ንናይ ወጻኢ ትካላት ክፉት ከምእትገብሮ ምስገለጸት፡ ክልተ ፍቓድ ንተሳተፍቲ እቲ ዓውዲ ኣቕሪባ፤ ክልተ ትካላት ድማ ኣብቲ ጨረታ ከምዝሳተፉ ምግላጾም ይዝከር።

በዚ መሰረት ናይ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ጥምረት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ትካል ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 850 ሚልዮን ዶላር ብምቕራብ ዝተመረጸ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ፍቓድ ግን ኣይተውሃበን።

እቲ ካልኣይ ፍቓድ ብምኽንያት ዝቐረበ ትሑት ዋጋ ከይተውሃበ ዝተረፈ ኮይኑ፡ ሕዚ ድማ ተመሓይሹ ንካልኣይ ግዘ ቀሪቡ ኣሎ።

ዓለም ለኻዊ ኩባንያታት ኣብቲ ጨረታ ዘቕርብዎ ዋጋ ክውስኽ ምእንቲ ለውጢታት ከምዝተገበሩ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ባልቻ ሬባ ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡

እቲ ዳይሬክተር ከምዝሓበሮ፡ ናይ ሞባይል ኣገልግሎት ገንዘብ እቲ ሓደ ምምሕያሽ እዩ።

ዘፈር ውልቂ ባንኪ ዓለም ዝኾነ፡ ዓለም ለኻዊ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ፡ ኣማኻሪ ዕድጊት ኮይኑ ከምዘገልግል ኣብ ሚኒስትሪ ገንዘብ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ብሩክ ታየ ምግላጹ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣማኻሪ፡ ብዙሓት ድልየት ዘለዎም ትካላት ክሳተፉ ከምዝጽበዩ ገሊጹ።

ብኬንያዊ ሳፋሪኮም ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ ፈላማይ ጨረታ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ዝተዓወተ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ስራሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ጥምረት ኣብቲ ዓውዲ ፍሉጣት ዝኾኑ ትካላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ንሳቶም ድማ ሳፋሪኮም፣፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕ፣ ሱሚቶሞ ኮርፖሬሽነን ሲዲሲ ግሩፕን እዮም።

ካብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓደ ዝኾነ ኢትዮቴሌኮም፡ ካብቶም ኣትረፍቲ ዝበሃሉ ትካላት ሓደ ኮይኑ፡ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ትካላት እንትነጻጸር ግና ትሑት ከምዝኾነ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልጹ፡፡

ኢትዮጵያ፡ ኢትዮቴሌኮም ሓዊሱ ብርኪ ካልኦት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምሻጥ ዝወሰነት ዘለዋ ዕዳ ንምኽፋል ከምዝኾነ ተንተንቲ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ብተወሳኺ ተበጻሕነት ቴሌኮም ንምውሳኽን ኣገልግሎት ንምቅልጣፍን ከምዝኾነ ይጠቕሱ፡፡

ኢትዮቴሌኮም ናይ ኣገልግሎት ፍቓድ ንምሃብ ኣብ ዝሓሰበሉ ክሳተፉ ዝደልዩ ትካላት ድልየቶም ክሕብሩ ኣብ ዝተሓተተሉ 12 ኩባንያታት ቴሌኮም ኣብቲ ዓውዲ ንምስታፍ ድልየት ኣርእዮም ነይሮም፡፡ ኮይኑ ግና ፈረንሳዊ ትካል ኦሬንጅ፣ ሳውዲ ቴሌኮም፣ሊኩውድ ትሌኮምን ናይ ዩናይትድ ዓረብ ኢምሬትስ ኢቲሳላትን ካልኦትን ኣብ ጨረታ ከይተሳተፉ ተሪፎም፡፡

ካልኣይ ተጫረትቲ ዝነበሩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤምቲኤንን መላፍንቱ ኣካል ናይ ቻይና መንግስቲ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዝኾነ ሲልክ ሮድ ፈንድ፡ 600 ሚልን ዶላር ዘቕረቡ ኮይኖም ከይተመረጹ ተሪፎም፡፡

ካብቶም ብኩባንያታት ወጻኢ ዝተሓዙ ክልተ ፍቓዳት ብተወሳኺ ኢትዮቴሌኮም እውን በሩ ንሰብ ሃፍቲ ክፉት ገይሩ ኣሎ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ዝውነን ትካል 40 ምኢታዊት ብርኪ ንሰብ ሃብቲ ወጻኢ፣ 5 ምኢታዊት ንኢትዮጵያውያን ዝተረፈ 55 ምኢታዊት ድማ ብመንግስቲ ክተሓዝ ትጽቢት ይግበር፡፡