ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ናይ ዋጋ ምንካይ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብትሑት ጽሬትን ልዑል ኽፍሊት ኣገልግሎት ብምሕታትን ዝንቀፍ ኢትዮ ቴሌኮም ልዑል ናይ ታሪፍ ምንካይ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ወይዘሮ ፍረህይወት ታምሩ ሎሚ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል (ሞባይል ዳታ) 43 ሚኢታዊት፣ ናይ ዉሽጢ ሃገር ጻዉዒት ስልኪ 40 ሚኢታዊት ከምኡ'ዉን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (SMS) ናይ 43 ሚኢታዊት ምንካይ ገይሩ ኣሎ ኢለን።
እቲ ምንካይ ዋጋ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸዉን'ዩ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ ቴሌኮም ዝወጽአ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፡ ብደቂቕ 83 ሳንቲም ዝኽፈሎ ዝነበረ ጻዉዒት ስልኪ፡ ሕዚ 50 ሳንቲም ኾይኑ ኣሎ።
35 ሳንቲም ዝኽፈሎ ዝነበረ ሓደ ሜጋ ባይት፡ ሕዚ ናብ 20 ሳንቲም ወሪዱ ኣሎ ክብል ኢትዮ ቴሌ ኮም ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







