ምዝገባ ሞባይል፥ ነፃነት የስእን'ዶ?

ሓደ ሞባይል ስልኪ ምስተሰርሐ፥ እቶም መፍረይቲ ትካላት ንሕድሕዶም ስልክታት 15 ኣሃዝ ዝሓዙ ቁፅርታት ይህቡዎም። እዚ ድማ ኣይ ኤም ኢ ኣይ ፥ ይበሃል። እዚ ቑፅሪ እዩ፥ ምበኣር ኢትዮ ተሌኮም ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ።
"ንምዃኑ እዚ ቁፅሪ እንታይ ይገልፅ?" ክንብል ንሰብ ሞያታት ሓቲትናዮም ነይርና። መንእሰይ ተክሊት ሃይላይ በዓል ሞያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እንትኸውን፥ እዚ ቁፅሪ፥ ሓደ ሞባይል ካብ ካሊእ ዝፈሊ ኣሃዝ ከምዝኾነ ይዛረብ። ብኻሊእ ኣገላልፃ፥ ሓደ ስልኪ ካብ ካሊእ ንምፍላይ ዝወሃብ ብሕታዊ ምዃኑ እዩ።
እቲ ምዝገባ ሓድሽ ኣይኮነን ዝብል መንእሰይ ተኽሊት፥ ኢትዮ ተሌኮም ሞባይላት ምኽፋትን ምዕጻወን ዘኽእል ሶፍትዌር ከምዘተኣታተወ ይናገር።
ምምዘጋብ ንምንታይ አድለየ?
ሓላፊ ኮምኒኬሽን ኢትዮ ተሌኮም ኣይተ ዓብዱራህማን ኣሕመድ ፥ ዋና ዕላማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምዝገባ ይዝርዝሩ።
ብቐዳምነት፥ ተገልገልቲ ዓማዊል ካብ ምስራቐን ከምኡ ድማ ደረጀኦም ዘይሓለዉ ስልክታት ካብ ዘስዕብዎ ጠንቅታት ጥዕና ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።
ብሲምካርድ ዝሰርሑ ዝኾኑ መሳርሕታት ተሌኮም፥ ብስርቂ ኮነ ብምጥፋእ ወይ ከኣ ብኻልእ ምኽንያት ካብ ኢድ በዓል ዋና ወፃኢ ኮይኑ እንትረከብ፥ ብሕቶ ሓደ ዓሚል ዝኾነ ዓይነት ረብሓ ከይህብ ምግባር ይከኣል እዩ።
ኣይተ ኣብዱራህማን ከምዝብሉዎ፥ ቁፅሮም ዘይናዓቕ ደረጀኦም ዘይሓለዉ ሞባይላት ተመሳሲሎም ናብ ሃገር ብምእታው ኣብ ረብሓ እናውዓሉ ይርከቡ። እዚ ድማ ቀረፅ ከፊሎም ብሕጋዊ መንገዲ ንዘእትዉ ነጋዴታት፥ ፍትሓዊ ዘይኮነ ምቁሩቛስ ብምፍጣር ፅዕንቶ እናፈጠረ ምዃኑ ንቢቢሲ ወሲኾም ይዛረቡ።
ክሳዕ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ብጠቕላላ 58 ሚልዮን ዝኣኽሉ ዓማዊል እቲ ሲስተም ብቐጥታ መዝገብ ውሽጢ ከምዝኣተዉ ይዛረቡ። ከመኡ ድማ ተወሳኺ ስልክን፥ ኣይፓድን ሲምካርድ ዝወስዱ ካልኦት መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስን ሲምካርድ ኣእቲኻ ምምዝጋብ ከምዝከኣል 'ውን ወሲኾም ገሊፆም።
ንምዃኑ ብስልኪ ይስለል 'ዶ?
እዚ ምምዝጋብ ስልኪ (ቴሌፎን) ኣብ ካልኦት ዝዓበዩ ዓድታትን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተለመደ ኣሰራራሐ ምዃኑ ዝዛረቡ ኣይተ ዓብዱራሕማን፥ እቲ ከይዲ ኣካል ዘመናዊነት ከምዝኾነ ይናገሩ።
መንእሰይ ተኽሊት ብወገኑ፥ ኣብ ውልቀሰብ ብሕትነት (ፕራይቬሲ) ዘምፀኦ ለውጢ እንተዘይሃለዎ 'ኳ፥ ንቑፅፅር ግና ዓብይ ስራሕ ከምዘቕልል ይናገር።
"ብርግፅ ካሊእ ጊዜ መሲሎም ብዝተሰርሑ ሞባይል ስልክታት ከምልጡ ዝፀንሑ፥ ሐዚ ከምኡ ምግባር ኣይኽእሉን" ይብል።
ኣይ ኤም ኢ ኣይ ሰባት ኣድራሸኦም እንተለወጡ' ኳ፥ ዘለዉዎ ትኽከለኛ ቦታ ንምፍላይ የኽእል እዩ።
"እትከታተሎ ሰብ እንተሎ ከየምልጠካ ይሕግዝ" ብምባል የረድረእ።
ቅድም ክብል ሓደ ሰብ ኣይ ኤም ኢ ኣይ ቁፅሮም ዝፍለጥ ሞባይል ስልኪ ደርብዩ፥ ካልኦት ቁፅሮም ዘይፍለጥ ሒዙ ብካሊእ ሲምካርድ ብምግልጋል ምምላጥ ይኽእል ከምዝነበረ ብምውሳኽ።

ቅድሚ ሐዚ ስልኮም ተጠሊፉ ከም መረዳእታ ኮይኑ ዝቐረቦም ምዃኑ ዝዛረቡ ከም በዓል በፍቓዱ ሃይሉ ዝበሉ ፀሓፍቲ እዚ ጉዳይ ብጣዕሚ ከምዝተሓሳስቦም ይዛረቡ።
ግብረ ሽበራ ፈፂምኩም ብዝብል ተኣሲሪም ካብ ዝነበሩ ኣባላት ዞን 9 ሓደ ዝኾነ በፍቓዱ፥ "መንግስቲ ብስልኪ ይስልል እዩ ዝበሃል ሓሰት ኣይኮነን"ይብል።
ቅድሚ ምእሳሮም ንሓደ ኣመት ዝኣክል፥ ብዘይካ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ስልኮም ከምዝተጠለፈ ዝናገር በፍቓዱ፥ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መረዳእታ ኮይኑ ዝቐረበ እዚ ከምዝነበረ ይገልፅ። "ንሕና ዝተኣሰርና ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ነይሩ፥ ዝቐረበና መረዳእታ ግና ካብ ጉንበት 2005 ዓ/ም ጀሚሩ እዩ" ይብል።
ብኣዋጅ ፀረ ግብረ-ሽበራ፥ መሰረት ግብረ ሸበራ ንምክልኻል፥ በዚ ተግባር ዝተጠርጠረ ሰብ ርክባት ስልኪ፥ ፋክስ፥ ሬድዮን ኢንተርኔትን፥ ኤሌክተሮኒክስን ፖሰታን ንምክትታል ካብ ቤተ ፍርዲ ፍቓድ ዘድሊ ምዃኑ ይሕብር።
ኮይኑ ግና ክሳዕ ሐዚ በቲ ገበን ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት፥ እዚ ሕጊ ተፈፃሚ ከምዘይኮነ ይዛረቡ።
ብዙሓት ኣባላት ተቛወምት ውድባትን ጋዜጠኛታትን እንትኽሰሱ ከም መረዳእታ ዝቐርበሎም፥ ብስልኪ ዘገበሩዎ ንግግር ምዃኑ ይዝረብ።
ስለዝኾነ ድማ፥ በዚ ገበን ዝተኣሰሩ ሰባት ምስተፈትሑ ቅድሚኡ ክግልገሉሉ ዝፀንሑ ሲምካርዶም ኽቕይሩ ተስተውዒሉ።
በፍቃዱ ከምዝብሎ፥ ምዝገባ አይ ኤም ኢ አይ ምጅማር ተኣሳሲሩ "ቅድም ክብል ውልቀሰባዊ ነፃነት ክንስእን ፀኒሕና፥ ሐዚ ግና ኣካላዊ ነፃነትና ውን ክንስእን ኢና" ክብል ስግኣቱ ይገልፅ።
ካልእ ባዓል ሞያ ሶፍተዌርን፥ ስራሕ መካየዲ የሓ ቴክኖሎጂስን ሃፍቶም በርሀ፥ጠለፋ ስልኪ (ቴሌፎን)ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ይስራሕ እዩ ፣ ሕጋዊ እዩ ከኣ" ይብል።
"ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም፥ ተግባር ጠለፋ ይፍፀም፣ ካብ ውልቀሰብ ጀሚሩ ክሳዕ ዝተወደቡ ጉጅለታት" ይብል።
ሂውማን ራይትስ ዎች ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘዳለዎ ፀብፃብ ከምዝገለፆ፥ ኣብ ቀረባ ካብ ኬንያ ጀሚሩ ክሳብ አውሮፓ ፍቃድ ዕቑባ ዝረኹቡ ኮነ ዝሓተቱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብስልክን ብኢመይልን ዝገብሩዎ ዝርርብን ለውውጥ ሓሳብን ብሓይልታት ፀጥታ ምጥላፉ ኣረጋጊፁ ይብል።
ካሊእ ተሪፉ፥ ዝተለዋወጡዎ ሓሳብ ብሰራሕተኛታትን ሓይልታትን ፀጥታ ተመሊሱ ዝተነገሮም ሰባት ኣዛሪቡ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፥ ምስ ግብረ ሽበራ ገበን ክስ ተመስሪቱዎም፥ ኣብ ቂፅቭር ዝወዓሉ ተኸሰስቲ፥ ብስልክን ብካልእ መላ ኮምኒኬሽንን ዝገበሩዎ ልውውጥ ሓሳብ ብመንግሰቲ ሚድያ ተደጋጊሙ ምቕራቡ ኣይዝንጋዕን።

ካብ ቻይናን ጣልያንን ዝተረኸቡ መሳርሕታት ጠለፋ፥ ሶፍትዌር ቴክኖሎጂታት ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣግባብ ናይ ሰባት መሰልን ሚስጢራዊነትን ንምብዝባዝ ረብሓ ከምዝውዕል ሲንትያ ዎንግ ዝተብሃላ ኢንተርኔት ላዕለዋይ ተመራማሪት ሂውማን ራይትስ ዎች ይናገራ።
እዚ ተግባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ከምዝኾነ ፤ እተን ሀገራት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቴክኖሎጂታት ንኢትዮጵያ መንግስቲ ቅድሚ ምሻጦም፥ እቲ መሳርሒ ኣብ ምንታይ ረብሐ ይውዕል ኢሎም ከረጋግፁ ኣለዎም፥ ይብላ እተን ተመራማሪት።
ምስቲ ሓድሽ ምዝገባ ሞባይል ተኣሳሲሩ፥ ስግኣት ዝሓደሮ ሰብን፥እቲ ጥርጣረን ኣይነፀገን ፥ ሃፍቶም።
ቀንዲ ዕላማ ምዝገባ አይ ኤም ኢ ኤ፥ ነቲ ኮርፖሬሽ ዘቕመጦም ረብሓታት እንተኾነውን፥ ስለላ ብዝምልከት ንመንግስቲ ስራሕ ከምዘቕልለሉ ግና ወሲኹ ይገልፅ።
ከምዚ ዓይነታት ርኢቶታት ካብ ፍርሒ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ዝዛረቡ ኣይተ ዓበዱራሕማን ብወገኖም፥ ከትትል ብዝምልከት ኤች ኤል ኣር ምስዝበሃል ሶፍትዌር ዝተኣሳሰረ ስራሕ ከምዝኾነ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







