ካብ ወፃኢ ዝድወል ቴለፎን ንምንታይ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ይወፅእ?

ካብ ወፃኢ ዝድወል ቴለፎን ንምንታይ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ይወፅእ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝድወሉ ናይ ቴሌፎን ፃውዒታት ናብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፃውዒት ቴለፎን ዝቕይሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣለዉ።

ኢትዮ-ቴሌኮም ክረኽቦ ዝግበኦ ረብሓ ካብ ዘስእንዎ ገበናት ሓደ፡ ናይ ወፃኢ ዓዲ ቴለፎናት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ቴሌፎን ክሓልፍ ምግባር እዩ።

ሰባት ካብ ወፃኢ ክድወሎም እንከሎ፡ ኣብ ሞባይሎም ዝርእይዎ ቁፅሪ ግን ናይ ውሽጢ ዓዲ እዩ።

መን ይፍፅሞ?

ኣይተ ተኽሊት ሃይላይ ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ንዘጋጥሙ ናይ ምትላል ተግባራት ኣብ ምክልኻል ዝሰርሐ በዓል ሞያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እዩ።

ነዚ ተግባር ዝፍፅሙ ሰባት፡ ኣብ ደገ ምስ ዘለዉ ናይ ቴሌኮም ኦፕሬተራት ተዋዲዶም ከምዝፍፅምዎን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነን የብርህ።

"ሲምቦክስ ዝበሃል መሳርሒ ኣሎ። ሳንዱቕ እዩ ዝመስል። ከከም ዓይነቱ ካብ 75 ክሳብ 350 ሲም ካርድ ይወስድ" ዝበለ ተኽሊት፡ በዚ መሳርሒ ኣቢሉ እቲ ናይ ደገ ፃውዒት ቴሌፎን፡ ናብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ከምዝቕየር ይገልፅ።

ፈፀምቲ ናይዚ ተግባር፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሲም-ካርድታት ዓዲጎም ናብዚ ሳንዱቕ ከምዝመልእዎን፡ ብኢንተርኔት ኣቢሎም ድማ ምስቲ ኣብ ደገ ዝርከብ 'ኦፕሬተር' ከምዘራኽብዎን የብርህ።

ካብ ወፃኢ ዝድወሉ ፃውዒታት ቴሌፎን፡ በዚ መገዲ 'ዮም ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ክወፁ ዝግበር።

ካብ ወፃኢ ዝድወል ቴለፎን ንምንታይ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ ይወፅእ?

ንምንታይ?

ሓደ ናይ ቴሌፎን ፃውዒት ካብ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ምስዝድወል፡ ብደቒቕ ኣስታት 11 ብር ይውድእ። ብኣንፃሩ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ፃውዒት ብደቒቕ ኣስታት 75 ሳንቲም እዩ ዘኽፍል።

ፈፀምቲ ናይዚ ተግባር፡ ካብ ወፃኢ ዝድወሉ ፃውዒታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቁፅሪ፡ ብሒሳብ ብር 75 ሳንቲም ክሓልፍ ብምግባር፡ ነቲ ዝተረፈ ሒሳብ ምስቶም ናይ ደገ መሻርኽቶም ከምዝማቐልዎ፡ ኣይተ ተኽሊት የብርህ።

እዞም ሰባት ነዚ ፃውዒት ንምትሕልላፍ ዝህልዎም ወፃኢ፡ ናይ ኢንተርኔት ክፍሊት ጥራሕ እዩ።

ሳዕቡኑኸ?

እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ጉድኣት ከምዘብፅሕ ኣይተ ተኽሊት ይዛረብ።

ሰባት ካበይ ይድወለሎም ከምዘሎ ብርግፀኝነት ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም ሓደ ፀገም ኮይኑ፡ ፅፈት ድምፂ 'ውን ኣዝዩ እዩ ዝንኪ ይብል።

ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ምሽጥራውነት ናይ ቴሌፎን ርክባትና 'ውን ኣብ ሓደጋ ዝወድቀሉ ተኽእሎ ከምዘሎ የብርህ።

"እቲ መሳርሒ ድምፂ ናይ ምቕዳሕ ዓቕሚ ኣለዎ እዩ" ይብል እቲ በዓል ሞያ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ 'ኣታዊ ኣድራሻን' 'ወፃኢ ኣድራሻን' ቁፅሪ ቴሌፎናት ብምንፃር፡ ናብቲ ዝተነፀረ ቁፅሪ ንዝግበር ፃውዒት ቴሌፎን ክቐድሑ ተኽእሎ ከምዘለዎም 'ውን ይዛረብ።

ኣብዚ ተግባር እዚ ከምዝተሳተፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ቅድሚ ሕዚ እኳ እንተተኣሰሩ፡ እቲ ተግባር ግን ደው ክብል ከምዘይከኣለ ይግለፅ።