ጓል ኣምባሳደር ኣፍጋኒታን ኣብ ፓኪስታን ተጨውያ ነይራ

ኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, NAJIB ALIKHIL ON TWITTER

ጓል ንኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ኣብ ፓኪስታን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውያ ከምዝነበረት ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሲልሲላ ኣሊኺል ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓኪስታን [ኢስላማባድ] ንገዛኣ እትጓዓዘሉ ካብ ዝነበረ መገዲ እያ ንነዊሕ ሰዓታት ተጠሊፋ ጸኒሓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ እታ ጓል እቲ ኣምባሳደር ምሰተጨውየት ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽያ ትሳቐ ከምዝነበረት ገሊጹ።

ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፡ እናሓርፈፈ ካብ ዝመጽእ ጸኒሑ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ፓኪስታን፡ እታ ጓል 20ታት ዝኾነት ሲልሲላ ኣሊኺል፡ ዕጡቓት ናብ’ታ ንሳ እትዝውራ ዝነበረት መኪና ኣትዮም ከምዘጋፍዕዋ ይዛረቡ።

እታ ጓል’ቲ ኣምባሳደር ምስ ተሰደደት ድማ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩላ።

ኣምባሳደር ናጂብ ኣሊኺል፡ ነቲ ተግባር ‘ኢ-ሰብኣዊ’ ኢሉ ዝኾነኖ ኮይኑ፡ ጓሉ ሕዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምእትርከብ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ በቲ ተግባር ዝተሰምዖ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ ፓኪስታን ንውሑስነት ዲፕሎማሲኛታትን ስድረኦምን ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ከረጋግጽ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሕዚ ናይቲ ኣምባሳደር ጸጥታዊ ሓለዋታት ተጠናኺሩ ይርከብ- ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ዛጊድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ብቕልጡፍ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ከምዝኣዘዘ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኩነታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን እናተበላሸወ ዝመጸአ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጎሮባብቲ ሃገራት ዘሎ ድማ እናተበትዐ መጺኡ ኣሎ።

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንመንግስቲ ፓኪስታን፡ ነቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ዕጡቓት ጣሊባን ምቹእ ባይታ ይፈጥረሎም ኣሎ ኢሉ እዩ ዝኸስስ።

ተዋጋእቲ ጣሊባን፡ ሕዚ ኣብታ ሃገር ሰፋሕቲ ቦታታት ኣብ ምቁጽጻር ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣገደስቲ ከባቢታት ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ከምዘለዉ ይዝረብ።

ሓይልታት ጣሊባን፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ካብታ ሃገር ምስ ኣውጽኣት፡ ንሓይልታት ጸጥታ’ቲ መንግስቲ ብምድፋእ ቅልጡፍ ግስጋሰ ይገብሩ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ መስከረም 11 ካብታ ሃገር ጠቕሊልካ ንምውጻእ እዩ ወጢኑ ዝሰርሕ ዘሎ።

ከም በዓል እንግሊዝ ዝኣመሰላ፡ ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ድማ፡ ካብ ኣመሪካ’ውን ቀዲመን ወተሃደራተን ከምዝሰሓባ እዩ ዝንገር።

ፓኪስታን ብወገና፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት እታ ሃገር ተደኲኖም መጥቃዕታት ከብጽሑለይ ትፈቅድ ኣላ -ክትብል ትኸስስ ኣላ።