ዕጡቓት ቤኒሻንጉል ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ

ኣርማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, EHRC

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ ወረዳ ምንጅጃ፤ ዕጡቓት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 8 ነበርቲ ከምዝተቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ስግኣት ዝሓደሮም ኣስታት 4 ሽሕ ነበርቲ ካብ ዝነብሩሉ ቀበሌ ከምዝተፈናቐሉን ኣብ ወረዳ ምንጅጋ ከምዘዕቖቡን እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ድሕነት ሲቪል ዜጋታት ንምውሓስ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ከኣ ብጥብቂ ኣተሓሳሲቡ።

ቅድሚኡ ማለት ኣብ 3ን 4ን ሓምለ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዝተወለዐ ጎንጺ’ውን ብውሑዱ 16 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ጎንጺ ከኣ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ እትርከብ ኢማንጅ ዝተባሃለት ቀበሌ ከምዝተወለዐ ኣመልኪቱ።

ስርዓተ ቀብሪ ናይ ሓደ ብዕጡቓት ከምዝተቐተለ ዝተገለጸ ውልቀሰብ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ብዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ተወሰኽቲ 15 ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝግለጽ።

4 ሓምለ 2013 ዝተፈጸመ ከኣ ዓጸፋዊ ምዃኑ ከምዝተሓበሮ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ከኣ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ሓይሊ ዕማም ብምትሕብባር ናይ ምርግጋእን ምውሓስ ድሕነትን ስራሕቲ ሰሪሖም።

ነቶም ናብ ወረዳ ምጅንጋ ኣዕቚቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ከኣ ሓለዋ ክግበረሎም ኣተሓሳሲቡ።

ሰላምን ድሕነትን እቲ ክልል ብቐጻልነት ንምርግጋጽ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ።