ሕቡራት ሃገራት ፕረዚደንት ማሊ ባህ ነዳው ብህጹጽ ክፍታሕ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ባህ ነዳው (ማእከል)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ባህ ነዳው (ማእከል) ኣብ ባማኮ ብወተሃደራት ማሊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላው ይግለጽ

ፕረዚደንት ማሊ ባህ ነዳውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞክታር ኦዋነን ብወተሃደራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ሰበስልጣን ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ።

እቲ ብሚኑስማ ዝጽዋዕ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብታ ሃገር ህድኣት ክሰፍን'ውን ተማሕጺኑ።

እቲ ልኡኽ ነቲ መግለጺ ዘውጽአ፡ ገለ ወተሃደራት ንመሰጋገሪ ፕረዚደንት ባህ ነዳውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኦዋነን ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ባማኮ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ካቲ ከም ዝወሰድዎም ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

በዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ዕልዋ ከይፍጸም ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱሌይማን ዶውከሪ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላው እቲ ጸብጻባት ይሕብር።

ሰኑይ ምሸት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኦዋነ ንኤኤፍፒ ቤተለፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ወተሃደራት ክወስድዎ ከም ዝመጽኡ" ድሕሪ ምዝራቡ እቲ መስመር ቴለፎን ከም እተቋረጸ እቲ ማእከን ዜና ጸብጺቡ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ብወገኖም ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ማሊ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ብምጥላብ ነቲ ተግባር ኮኒኖምዎ ኣለው።

ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቦባከር ኬይታ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ይዝከር።

ብዙሓት ደቂ ማሊ ንምልጋስ ሚስተር ኬይታ ብሓጎስ እኳ እንተተቐበልዎ፡ እቲ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ብወተሃደራት ዝተዓብለለ ብምዃኑን እቲ ዝተኣተወ መብጽዓ ብምድንጓዩን ቁጥዐኦም ይገልጹ።

ቅድሚኡ ኣብ 2012 ዝተኻየደ ዕልዋ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ነቲ ዘይምርግጋዕ መዝሚዞም ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ሓደ ከባቢ ክቆጻጸሩ ኣኽኢሉ እዩ።

ወተሃደራት ፈረንሳ ነቲ ከባቢ ዳግም ንምቁጽጻር እኳ እንተሓገዙ፡ መጥቃዕትታት ጌና ይቕጽል ኣሎ።