ናይጀርያ፡ ዋና መደበር ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ናብ ኣፍሪቃ ክግዕዝ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/presidency Nigeria
ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ እዚ ሰራዊት ኣፍሪቃ [ኣፍሪኮም] ናብ ኣፍሪቃ ክግዕዝ ሓቲቱ።
ንሱ ኣብቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተነቢሩ ዘሎ ቀይድታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ማንዛዊ ዑደት (ቨርቹዋል ቪዚት) ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን እዩ ነቲ ጠለብ ኣቕሪቡ።
ካብ ቤትጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ቡሃሪ "ነቲ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ወሽመጥ ጊኒ፡ ዞባ ቀላይ ጫድን ሳሕልን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸጥታ ብድሆታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣመሪካ ንዋና ቤትጽሕፈት ኣፍሪኮም ነቲ ዞባ ቅርበት ናብ ዘለዎ ከባቢ ክተግዕዞ ከም ዘድልይ ዘነጽር እዩ" ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣመሪካ ንትምህርቲ ምስ ዝኸዱ መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ዝተራኸበ ብሊንከን፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ህላወኣ እናዓዘዘ ይኸድ ምህላው ዘሻቕል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
"ንሕና ንዝኾነ ኣካል ካብ ኣመሪካን ቻይናን ሓዲአን ክመርጽ ንሓትት የሎናን፤ እንተኾነ ግና ነዞም በዳህቲ ሕቶታት ክትሓቱ፡ ኣዕሚቕኩም ክትፍሕሩ፡ ግሉጽነት ክህሉ ክትጠልቡን ብዛዕባ ውልቅኹምን ሃገርኩምን እኹል ሓበሬታ ሒዝኩም ክትውስኑ አተባብዓኩም" ኢሉ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







