ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ባይደን 4 ትሪልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓትት 'ታሪኻዊ እማመ ኣቕሪቡ

ባይደን ብኽለተ ደቂ ኣንስትዮ ብድሕሪት ተዓጀቡ መደረ እንተስምዕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ባይደን ብኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ብድሕሪት ተዓጀቡ መደረ እንተስምዕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ዝተዛረበሉ መድረኽ 'ኣብ ወለዶታት ስሕት ኢሉ ዝረአ' ዝበሎ ውጥን፡ ስራሕ /ሽቕሊ፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ድጋፍን ኣቕሪቡ።

ባይደን፡ ኣብ ድሮ 100 መዓልታት ዘመነ ስልጣኑ ኣብ ዘስምዖ ዓመታዊ ሃገራዊ መደረ፡ ገዚፍ ዝተባህለ 4 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ወጻኢ ዝሓትት እማመ ዕላዊ ገይሩ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ገዚፍ ገንዘባዊ ወጻኢ ካብ 1960ታት ንደሓር ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ ባጀት እዩ።

ንሱ ንባዕሉ፡ ኣብ መደርኡ 'ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ወለዶታት ሓደ ሓደ ግዜ ዝግበር ኢንቨስትመንት' ክብል ጸዊዕዎ።

እንተኾነ፡ እቲ ውጥን ካብ ኣባላት ኮንግረስ ፓርቲ ሪፐብሊካን ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ ተባሂሉ።

ጸሊም ሰኔተር ሪፐብሊካን ዝኾነ ቲም ስኮት ነቲ ናይ ባይደን ሓሳብ 'ጫፍ ሊብራላዊ' ኣተሓሳስባ ዓብዪ 'ብኽነት መንግስቲ' ዘስዕብ ውጥን ክብል ወግዓዊ ተቓዋሚ ግብረመልሲ ሂብሉ።

ካልእ ኣባል እቲ ፓርቲ፡ ሮና ማክዳኒኤል ድማ 100 መዓልቲታት ስልጣን ጆ ባይደን 'ትሑት ዓቕሚ' ኣፈጻጽማ ዝተርአየሉ እዋን ክትብል ነቒፋ።

ዋላ'ኳ ፓርቲ 'ዲሞክራትስ' ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት ዓብላልነት እንተሃለዎም፡ እቲ ውጥን ሕጊ ኾይኑ ንከይጸድቕ ኣብ ኮንግረስ ሓያል ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ. . .

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ መደረ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲን፡ ኣብ ድሕሪ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኾይነን ዓጂበንኦ ተቐሚጠን ተራእየን።

ኣብዚ 'ታሪኻዊ' ዝተባህለ መድረኽ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሰበ ስልጣን ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይነን ፕረዚደንት ንሓባራዊ ጉባኤ ክልቲኡ ባይቶታት መደረ ከስምዕ ክረአ ኣብ ታረኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።

ባይደን፡ 'ወይዘሮ [ማዳም] ምክትል ፕረዚደንት' ኢሉ ምስ ኣልዓላ፡ "ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከምዚ ዝኣመሰሉ ቃላት ኣብዚ መድረኽ ኣስሚኡ ኣይፈልጥን" ክብል ድማ ንሓድሽ መንግስቱ ንኢዱ።

ርግጽ እቲ መድረኽ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫረስ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝግበር ተመሳሳሊ ስነስርዓት ክነጻጸር ከሎ ንእስ ዝበለ እንትኸውን፤ ብትሕዝትኡ ግን 'ታሪኻዊ' ተባሂሉ ብብዙሓት ተሰምዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ካልእ እንታ ኢሉ?

ባይደን፤ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ፕረዚደንትነት እንትርከብ፡ ኣመሪካ 'ከም ሃገር ኣብ ቅልውላው ተረግሪጋ' ከም ዝነበረት ሓቢሩ።

"እቲ ለበዳ ኣብ'ዚ ክፍለ ዘመን [ካብ ዘጋጠሙ ቅልውላዋት] ዝኸፍአ እዩ። ብቑጠባዊ ዓይኒ ድማ፡ ድሕሪ እቲ 'ዓብዪ ፋይናንሳዊ ቅልውላው' ተባሂሉ ዝጽዋዕ እቲ ዝኸፍአ እዩ። ድሕሪ ኲናት ሕድሕድ ኣመሪካ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን' ክብል ገሊጽዎ።

"ሕዚ ድሕሪ 100 መዓልታት፡ ነዛ ሃገር ጸብጻብ ከቕርብ ይኽእል እየ። ኣመሪካ መሊሳ ንቅድሚት ትስጉም ኣላ"።

ብፍላይ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ምዕዳልን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምቕናዕን ዓብዪ ዝላ ከም ዘሎ ባይደን ገሊጹ።

ዛጊድ፡ ክታበት ንዘይወሰዱ ድማ ብቕልጡፍ ክወስዱ ጻውዒት ገይሩ።

እንተኾነ፡ ሕዚ'ውን ብዙሕ ምስራሕ ከም ዝተርፎ ኣስሚርሉ።

ብፍላይ፡ እቶም ሕዚ ዘቕረቦም ውጥናት ኣብ ጉዳይ ስራሕ ፈጠራን ስድራ ምድጋፍን ኣዝዮም ተስፋ ዝተገብረሎም ኮይኖም፡ ካብ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ሰብ ሃብትን ኣመሪካ ብዝርከብ ግብሪ ዝምወሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

"ሕዚ'ውን ዲሞክራሲ ኣመሪካ ልክዕ ከም ዝኾነን ንህዝቢ ዝቖመ መንግስቲ'ውን ከም ዘሎን ክነረጋግጽ ኣለና" ኢሉ።

ጆ ባይደን መደረ እንተስምዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንድሕሪት ዝተዘንግዐ ክፋል ማሕበረሰብ፤ ናብ ንቡር ንጥፈታት ቁጠባ ንምእታውን፡ ፍትሓውነት ንምዕሳልን ኣትኲሩ ከም ዝሰርሕ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ስራሕቲ መጓዓዝያን፤ ኣብ ኣገልግሎት 'ብሮድባንድ' ኮምኒኬሽን ከምኡ'ውን ኣብ ህንጸት መሰረተ ልምዓታዊ መገድን ድልድላትን ከትኩር ምህቃኑ ሓቢሩ።

እቲ ውጥን፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር [ክሊማ] ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኸውን እውን ኣፍሊጡ።

'ስራሕ [ሸቕሊ] ፈጠራ እንትሓስብ፡ ቀዲሙ ክሊማ ናብ ርእሰይ ይመጽእ' ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካውያን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ዘመናዊ መጓዓዝያታት ኣብ ምፍራይ ቅድሚት ዘይስርዓሉ ኩነታት የለን ይብል።

ንስድራ ዝምልከት ካልኣይ ውጥኑ ድማ፡ ብፍላይ ካብ 3-4 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት፡ ናጻ ናይ ቅድመ-ትምህርቲን ሕክምናን ዝረኽብሉ ዕድል፤ ናጻ-ትምህርቲ ኮሌጅ ምስፍፋሕን ከም ዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ድማ 'ቻይልድ ታክስ ክረዲት' ብዝብል ዝፍለጥ ብሰንኪ ኮሮና ንህጻናት ተዋሂቡ ዝጸንሐ ዕድላት ወሊድን ፍቓድን፡ ክሳብ 2025 ክናዋሕ ምዃኑ፡ ብሓፈሻ፡ በዞም መደባት ልዕሊ 65 ሚልዮን ህጻናት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተንበዩ።

ጆ ባይደን

ኣብ ህጻናት ዘሎ ድኽነት ድማ ብፍርቂ ክንኪ እጃም ኣለዎ ኢሉ።

ገለ ማሕበራዊ ጸገማት'ውን ኣልዒሉ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ምስ ኣጽዋርን ዕጥቅን ምውናን፣ ጉዳይ ስደተኛታትን ዘይምዕሩይነትን ብዝግባእ ክሰርሐሉ ምዃኑ ቃል እትዩ።

ነዚ ብዝምልከት፤ እቲ ዓበይቲ ሰልፍታት ተቓውሞን ለውጥን ዘንቀለ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ከም ኣብነት ኣልዒሉ፤ "ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕ ይተርፈና" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣመሪካ ምስ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ኣብ እትገብሮ ንሕንሕ ስዒራ ክትወጽእ እንተኾይና፡ ኩሎም ኣባላት እቲ ኮንግረስ ነቲ ሒዝዎ ዝመጽአ ውጥን ክድግፉን፡ 'እታ ሃገር ነፍሳ ክፍወስን' ሓቲቱ።

"ከም ህዝብን ሃገርን፡ ካብቲ ኣቲናዮ ዝጸናሕና መዓሙቕ ውድቀትን ዓዘቕትን ክንወጽእን ኣለና፤ በቲ ኩነታት ኣይተሰኮናን [ኣይተስዓርናን]" ድማ ኢሉ።

line

ጆ ባይደን፡ ዘረብኡ ብዓወት ጀሚሩ በመጠንቀቕታ ግን ዛዚምዎ።

ዕውት ክታበት ምክያዱ፤ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ሓደሽቲ ስራሕቲ ምፍጣሩ፤ ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ንቡር ምምላሱ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣልዒሉ ኣውጊዑ።

ከምኡ'ውን ጉዳይ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፤ ጉዳይ ገበናትን ካልኦት ኣልዒሉ ምስተዛረበ፡ ሓደ ጥንቃቐ ዝሓትት ተርእዮ ዝበሎ ግን ዘተሓሳሰቦ ይመስል።

ንሱ ድማ፤ ኣብ ጥሪ 6 ኣብ ህንጻ ባይቶ (ካፒቶል) ኣጋጢሙ ዝነበረ 'ብቀጥታ ኣብ ልዕሊ ንዘመናት ዝተሃንጸ ዲሞክራሲ ዝዓለመ መጥቃዕቲ' ክብል ነቒፍዎ።

"ሕዚ'ውን ኣመሪካ ትስዕር" ኣብ ዝበሎ መዛዘሚ ዘረብኡ፤ እቲ ኣብቲ ዕለት ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ተጓንፎን፤ ብጨቆንቲ መንግስታት ዝመሓደራ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዘብጸሕኦ ዘለዋ መጥቃዕትን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ኢሉ።

line

ኣባላት 'ሪፐብሊካን' እንታይ ኢሎም?

ኣደ መንበር 'ሪፐብሊካን ናሽናል ኮሚቴ' ዝኾነት፤ ሮና ማክዳኒኤል ቀልጢፋ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ፡ ጆ ባይደን ኣብ 100 መዓልታት ድኹም ኣፈጻጽማ ከም ዘርአየን፡ ዓቕሚ ከምዝጎድሎን ገሊጻ።

ብተወሳኺ ኩሉ ነገር ብፓርቲ ጽግዕተኝነትን ወገንተኝነትን ዝተደረኸ [hyper-partisanship] መንግስቲ ይሃንጽ ኣሎ ክትብል ከሲሳቶ።

"ባይደን ኣብ መደርኡ ብዛዕባ ሓድነት ሃገር እዛረብ ኣሎ። ሓሶት እዩ። ባይደን ናይ ኢዱ ኣይስኣን'ምበር፡ ሃገርና ናብ ዝገደደ ተንቆልቁል ኣላ። ኣዝያ ድማ ዝተኸፋፈለት ኮይና ኣላ" ኢላ ኣብ መግለጺኣ።

ኣብ መጻኢ 2024 መረጻ ኣመሪካ፡ ንባይደን ክነሓናሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝሕመ እንኮ ጸሊም ሪፐብሊካንን ሰኔቶር ቲም ስኮት፤ ነቲ ዘረባ ባይደን ኣናኢስዎ።

ነቲ ናይ ፕረዚደንት ባይደን ውጥን ድማ፡ ዓብዪ ክሳራ ዘስዕብን፡ ናይ ማእኸላይ ሰራሕተኛ ኣመሪካ መሃያ ዘትሕትን እዩ ክብል ነቒፉ።

ዓሌታዊነት መግለጺ ኣመሪካ ከምዘይኮነን ንታሪኽ ኣመሪካ ከምዘይገልጻን ብምግላጽ ድማ፡ 'ዲሞክራትስ' ነቲ ነገር ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ለጢጦም ኣብቲ ጸገም የትኩሩ ኣለዉ ብምባል፤ ኣመሪካ ዓሌታዊት ሃገር ኣይኮነትን ኢሉ።

ሪፐብሊካንን ሰኔቶር ቲም ስኮት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሪፐብሊካንን ሰኔቶር ቲም ስኮት