ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ክታበት ኮቪድ-19፡ ስለምንታይ ምርጨኦም ዝተፈላለየ ኮይኑ?

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰለስቲኦም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ረብሓ ዝወዓሉ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ-19፡ በቲ ቫይረስ ካብ ምትሓዝ፣ ናብ ሆስፒታል ካብ ምእታውን ሞት ከየስዕብ ብምክልኻልን ዓብዪ ግደ ከምዘለዎም እዮም ዝዝረብ።

እንተኾነ፡ ካብ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ብዝበለጸ፡ ንፒፋይዘርን ሞደርናን ክኽተቡ ዝመርጹ ብዙሓት እዮም።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ከንቲባ ዲትሮይት ማይክ ዱጋን፡ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ውድቂ ገይሩ፡ ነቶም ካልኦት ክታበታት ኣፍልጦ ብምሃብ ንነበርቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ‘እቲ ዝሐሸ ክታበት ክረኽቡ ዝከኣል ኩሉ ክገብር እየ’ ክብል ተሰሚዑ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ክታበት ኣወንታዊ ርእይቶ ምስ ሃቡ ግን፡ እቲ ክታበት ውሑስ ምዃኑን ሙሉእ እምነት ከምዘለዎን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ሕቶ ዘልዐለ ግን ከንቲባ ዱጋን ጥራሕ ኣይኮነን። ካልኦት ኣመሪካውያን’ውን ኣብ ልዕሊ እዚ ክታበት ሕቶ የልዕሉ እዮም።

ገሊኦም፡ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ካብ ዝወስዱ፡ እንከይተኸትቡ ክተርፉ ከምዝመርጹ እዮም ዝዛረቡ።

ሓደ ነባራይ ዋሺንግንተን ንቢቢሲ እንትዛረብ፡ “ኣብቲ እዋን ክታበት ንምውሳድ ቆጸሮ ዝሓዝኩሉ መዓልቲ፡ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ምስ ሰማዕኹ ንቆጸሮይ ሰሪዘዮ። ነዚ ክታበት ፈጺማ ኣይወስድን” ኢሉ።

ከም በዓል ዶ/ር ማይክል ኣንድራሲክ ዝኣመሰሉ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ግን፡ ዝኾነ ፍቓድ ዝረኸበ ክታበት ምውሳድ ጽቡቕ ከምዝኾነ ንኣመሪካውያን ከእምኑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

“ብሓደ ወገን ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ሓደ ግዜ ዝወሃብ ብምዃኑ ዝተሓጎሱ ኣለዉ። ብካሊእ ወገን ድማ፡ ውጽኢታዊነቱ ብዝምልከት ብዙሕ ግር ዝበሎ ኣሎ። እዚ ከኣ ጽቡቕ ኣይኮነን” ኢሉ፡ ኣብ ፍሬድ ሃች ላዕለዋይ በዓል ሞያ ክታበት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ኣንድራሲክ።

ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ዘጽደቑ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ። ኣብታ ሃገር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍቓድ ዝረኸበ ክታበት ድማ ኾይኑ።

ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን፡ ሓድሽ 'ኤም ኣር ኤን ኤ' ዝተብሃለ ቴክኖሎጂ ክታበት ካብ ዝጥቀሙ ፒፋይዘርን ሞዴርናን ብዝተፈለየ መልክዑ፡ ጉድኣት ከየብጽሕ ዝተገብረ ቫይረስ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዘውዕል።

ብድሕሪኡ ሰብነት፡ እዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ዓሌት ክወስድ ይግበር። ሰብነት ነቲ ቫይረስ ኣለልዩ ብምጽናሕ፡ እቲ ሓደጋ እንትስዕብ፡ ነቲ ቫይረስ ክዋጋእ ይረድኦ።

ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ እዚ ክታበት እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ እዩ። ብዚ መሰረት ድማ፡ ንኣመሪካውያን ካብ ዝቐረበ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ብዕጽፊ፡ 100 ሚልዮን ተወሳኺ ክፈሪ ሓቲቱ ኣሎ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ኣለርጂን ተሓላለፍቲ ሕማማትን ፡ ዶ/ር አንቶኒ ፋውቺ ብወገኑ እቶም ኣብ ኣመሪካ ፍቓድ ዝረኸቡ ኩሎም ክታበታት ጠቕምቲ ምዃኖም ገሊጹ። ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን’ውን ‘ድኹም ክታበት ኣይኮነን’ ኢሉ።

እቲ ዘሻቕል፡ ካብ ኣብያተ ፈተነ ዝወጽእ ውጽኢታዊነቱ ዝምልከት፡ ኣፈላላይ ምርኣዩ ጥራሕ እዩ ኢሉ።

እንተኾነ፡ ሰለስቲኦም ክታበታት፡ ቅድሚ እዞም ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ምምጸኦም ዝተፈተኑ ከም ምዃኖም መጠን፡ ነቶም ሓደሽቲ ዓሌታት ኣብ ምክልኻል ኣፈላላያት ኣርእዮም ኣለዉ።

ዶ/ር ኣንድራስክ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ቀንዲ ነገር ሰለስቲኦም ክታበታት፡ ነቲ ሕማም ብምክልኻለን ካብ ሞት ብምድሓንን ዝረድኡ ምዃኖም እዩ።

ሰብ ሞያ፡ ብዛዕባ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ካልእ ኣወንታዊ ጎኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዝወሃብ ምዃኑ ይዛረቡ።

ብፍላይ ርሕቕ ናብ ዝበሉ ከባብታት እዚ ክታበት ንምብጽሑ ምቹእ ምዃኑ ብምግላጽ ካልኦት ክታበታት’ውን ክውሰዱ ከምዝግባእ ግን የተሓሳስቡ።

ኣብ ግንዛበ ክፍተት ከምዝተፈጥረ ዝዛረብ እቲ ዶክተር፡ ንዕኡ ኣብ ምጽራይን ዝተጋገየ ሓበሬታ ጠጠው ኣብ ምባልን ብትሪ ክስራሕ ከምዝግበኦ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ኮይኖም፡ ብዙሓት ‘ናተይ ሪጋ እንትበጽሕ ዝኾነ ክታበት ክወስድ ድልው እየ’ ይብሉ።

ካልኦት ሻቕሎት

ዩ ኤስ ኮንፈረንስ ኦፍ ካቶሊክ ቢሾፕስ ዝተብሃለ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ዝውክል ጉባኤ፡ ምስ ‘ህልና’ ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

እቲ ስግኣት፡ እቲ ክታበት ጥንሲ ንምስዳድ ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝውዕሉ ነገራት እዩ ፈርዩ ዝብል እዩ።

ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን፡ ክታበት ኢቦላ ንምድላው ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ተመሳሳሊ መይላ ተጠቒሙ ዝብል ሓበሬታ'ውን ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ብዚ ምኽንያት፡ ሰዓብቲ ካልኦት ኣማራጺታት ክታበታት ክወስዱ እዩ ምዒዱ።

እቲ በቲ ጉባኤ ኣመሪካ ዝተውሃበ ማዕዳ ግን፡ ምስ ቅዋም ቫቲካን ዝጸረር እዩ ተባሂሉ።

ምኽንያቱ፡ ቫቲካን ከምዚ ዓይነት ክታበታት ምስ ‘ሕልና’ ብዝዛመድ ተቐባልነት ኣለዎም ዝብል እምነት ስለዝሓዘት።

ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ድማ፡ ነዚ ሓሳብ እዮም ዝድግፉ።

ሊቀ ጳጳስ ሃርትፎርድን ካልኦት ኣቦታት ሃይማኖትን፡ ነበርቲ ንውሕስነቶምን ንድሕነት ካልኦትን እቶም ዝቐረቡ ክታበታት ንክወስዱ ‘ናይ ሕልና ናጽነት ክስመዖም’ ምዒዶም።

እንተኾነ፡ ገለ ስግኣታት ዝሓዘለ እዚ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ጥራሕ ኣይኮነን። ኣመሪካ ኣብ ረብሓ ክውዕል ክተፍቅደሉ ትዳለወሉ ዘላ ካልእ ክታበት፡ ኦክስፎርድ-አስትራዛኔካ ምስ ደም ምርጋእ ብዝዛመድ፡ ስግኣታት ይለዓልዎ እዮም።

ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ፡ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ኣጊደን ነይረን።

እንተኾነ ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ ክታበት ውሑስ እዩ ዝብል መግለጺ ምሃቡ ስዒቡ፡ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያንን ስፔንን ኣብ ረብሓ ከውዕለወኦ ጀሚረን ኣለዋ።