ዒራቕ፡ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ኣብ ዝሕከሙሉ ሆስፒታል ብዝተልዓለ ባርዕ 82 ሰባት ሞይቶም

ዒራቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባግዳድ ዝርከብ ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝሕከሙሉ ሆስፒታል ዝተልዓለ ባርዕ 82 ሰባት ከምዝቐተለ ተገሊጹ።

በቲ ቀዳም ምሸት ኢብን ካቲብ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሆስፒታል ዘጋጠ ባርዕ፡ ካልኦት ልዕሊ 100 ቆሲሎም ኣለው።

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ንምልዓል እቲ ባርዕ ጠንቂ ዝኾነ ናይ ኦክስጅን ምንታጉ እዩ። ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ንምትራፍ ክጎዩን ካልኦት ሰራሕተኛታት ሓዊ ምጥፋእ ድማ፡ ነቲ ሓዊ ከጥፍኡን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ምስልታት የርእዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሙስጠፋ ኣል ካዳሚ፡ ‘መስካሕኽሒ ሓደጋ’ ኢሉ ዝጸወዖ ኾይኑ፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ብህጹጽ ምርመራ ክካየድ ትእዛዝ ኣውሪዱ።

ዋና ሓላፊ ሲቪል-ምክልካል ኢራቕ ሜጀር ጄኔራል ካዲም ቦሃን፡ ንሚድያታት እታ ሃገር ከምዝተዛረቦ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ዝተልዓለ ብጽኑዕ ዝሐመሙ ደቂሶም ካብ ዝሕከምሉ ክፍሊ እዩ።

እቲ ሓላፊ፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ባርዕ ምቁጽጻር ከምዝተኽኣለ ወሲኹ ሓቢሩ። ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝነበሩ 120 ሕሙማትን ኣለይትን፡ እቶም 90 ካብቲ ሓደጋ ምትራፍ ከምዝተኽኣለ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣይኤንኤ ሓቢሩ።

ኤኤፍ ፒ ከምዝበሎ፡ እቲ ሆስፒታል ብጽኑዕ ዝሓመሙ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ዝሕከምሉ እንትኸውን፡ ኣብቲ እዋን 30 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ነይሮም።

በቲ ባርዕ ሓደጋ ዝበጽሖም፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ኣመሓዳሪ ባቅዳድ፡ መሓመድ ጃቤር፡ እቲ ጌጋ ብዕሽሽነት ተፈጢሩ እንተኾይኑ፡ ተሓታቲ ኣካል ብሕጊ ክሕተት ንቀዳማይ ሚኒሰተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብወገኑ፡ ነቲ ፍጻመ ‘ኣብ ልዕሊ ብኮቪድ-19 ዝተዳኸሙ ሕሙማት ዝተፈጸመ ገበን’ ኢልዎ።

ንዓመታት ብዝተኻየደ ኲናት፣ ብልሽውናን ካልኦት ቅልውላዋት ዝተዳኸመት ዒራቕ፡ ለበዳ ኮረናቫይረስ ዓብዪ ሻቕሎት ፈጢሩላ ኣሎ።

ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ እንትኸውን፡ ኣብዚ ሰሙን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ቁጽሪ ሓደ ሚልዮን ሓሊፉ ኣሎ።

ዛጊድ፡ 15 ሽሕን 217 ዜጋታት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ። እታ ሃገር መደብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝጀመረት ኮይና፡ ዛጊድ 650 ሽሕ ሰባት ክታበት ረኺቦም።

ኮሮና