ኣብ ስፔን 22 ሰባት ብኮቪድ-19 ክልከፉ ዝገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ስፔን [ስጳኛ] ሓደ ውልቀሰብ ኮነ ኢሉ ን22 ሰባት ኮሮናቫይረስ ኣትሒዙ ተባሂሉ ስለዝተጠርጠረ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ወዲ 40 ዓመት ውልቀሰብ፡ ረስኑ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንት ግሬድ ኮይኑ እናሃለወ ፡ ከምኡ’ውን ከቢድ ሰዓል እናስዐሎ እንከሎ፡ ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ምኻድ ጠጠው ኣየበለን፤ ናብ ስፖርታዊ መዝናነዪ ቦታ’ውን ይኸይድ ነይሩ።

ማጆክራ ናብ ዝተብሃለ ናይ ስራሕ ቦታኡ ከይዱ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣውጺኡ ንመሳርሕቱ በቲ ሕማም ከምዘልክፎም እናተዛረበ ይስዕል ከምዝነበረ’ውን ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሓሙሽተ መሳርሕቱን ናብቲ ናይ ስፖርታዊ መዝናነዪ ቦታ ሓቢሮምዎ ዝኸዱ ሰለስተ ሰባትን ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ናይቲ ውልቀሰብ 14 ኣባላት ስድራ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ ካብ መንጎኦም ወዲ 3 ዓመት ህጻን ይርከቦም።

ኣብዚ ሰሙን ዕለተ ቀዳም መግለጺ ዘውጸአ ፖሊስ ስፔን፡ እቲ ውልቀሰብ ንመዓልታት ዝኣክል ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንተርአየ’ኳ፡ ‘ካብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣይተርፍን’ ኢሉ ናብ ገዝኡ ክኸይድ እንትንገሮ ድማ ኣቕቢጹ ተባሂሉ።

ሓደ መዓልቲ መርመራ እንተገበረ'ውን፡ ውጽኢቱ ከይተጸበየ ብጽባሒትኡ ናብ ናይ ስራሕ ቦታን ናብ’ቲ ናይ ስፖርታዊ መዝናነይን ከይዱ ተባሂሉ።

መሳርሕቱ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ኣብ ዝሓትዎ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እናውጸአ ‘ናዕኹም’ውን ከትሕዘኩም እየ’ እናበለ ይዛረብ ከምዝነበረ እዩ ተሓቢሩ።

ከም ውጽኢት መርመራኡ፡ እቲ ቫይረስ ከምዝሓዙ ምስተገልጸ፡ እቶም መሳርሕቱ ከምዝተጨነቑ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እዚ ዘጓነፈ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ እንትኸውን፡ እቲ ውልቀሰብ ዘተሓላለፈሎም ሰባት እቲ ሕማም ከይጸንዖም ብቐሊሉ ከምዝሓለፈሎም ፖሊስ ገሊጹ።

ኮሮና