ኣመሪካ፡ ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ቅትለት ብትሪ ኮኒና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስቲ ኣመሪካ በቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ቅትለት ኣዝዩ ከምዝጎሃየ ገሊጹ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝቆፋጻር ንደሓር፡ ትማሊ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተፈጸመ መቕተልቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።
በቲ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ፡ "ንናይ ውሑዳት ረብሓ ክብል ናይ ህዝቢ ህይወት መስዋእቲ ይገብር ኣሎ" ኢሉ ሚስተር ብሊንከን።
"ተባዕ ህዝቢ ቡርማ ግን ነቲ ወተሃደራዊ ሽብር ነጺግዎ ኣሎ" ክብል ድም ነቲ ህዝቢ ንኢዱ።
ኣብ'ታ ሃገር ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ፤ ዕጡቓት ሓይልታት መንግስቲ ዕጥቂ ዘይብሎም ንጹሃን ዜጋታት ይቐትል ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፤ ደጊም መጋቢት 27 ዝኽበር መዓልቲ ሓይልታት ምክልኻል ከም ናይ መርአያ 'ሽብርን ዘይሓቃዊነትን' እዩ ኮይኑ ክዝከር ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፤ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ሓዊሱ ዝተፈጸመ ቅትለት፤ ገለ በቲ ሰራዊት ዝተመሓላለፈ መጠንቀቕታ ብምጥሓስ ናብ ጎደናታት ንተቓውሞ ምውጸኦም ስዒቡ እዩ ኣጓኒፉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንፖለቲካዊ እሱራት ንምሕጋዝ ዝሰርሕ ሓደ ማሕበር [AAP] ፤ ኣብቲ ዕለት ብውሕዱ 91 ሰባት ከምዝተቐትሉ እንተረጋግጽ፡ ገለ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሐን እቲ ቁጽሪ ክብ የብልዎ።
ቱ ያ ዛው ዝተብሃለ ነባሪ ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ "ዋላ ኣብ ገዛውትና ከም ኣዕዋፍን ከም ደርሁን እዮም ዝቐትሉና ዘለዉ፤ እንተኾነ ዝኾነ ይኹን'ምበር ተቓውሞ ጠጠው ክነብል ኢና መለት ዘበት እዩ"።
ዛጊድ እቲ ሰራዊት ኣብ ሓደ ለካቲት፡ ነታ ብመረጻ ዝሰዓረት ኣንግ ሳን ሱ ኪ ብዕልዋ ኣልዩ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፤ ልዕሊ 400 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝተዘርገሑ ምስልልታት፡ ብጥይት ዝተወቕዑ ሰባትን ሓዘኖም ዝገልጹ ስድራቤታትን የርእዩ።
ኣብ ዩከይ፡ ዳይሬክተር ኔትወርክ ሰብኣዊ መሰላት ቡርማ፡ ኪያው ዊን፤ እቲ ሰራዊት 'ካብ ምቅታል ዝኾነ ዝእግድ ነገር ኮነ መርሓ የብሉን፤ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እዩ ዘካይድ ዘሎ'ኢሉ።
ገለ ሚድያታት ብዝሒ መወትቲ ክሳብ 114 ይብጽሕ እዩ ክብሉ እንለዉ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓንቲ ጓል 13፡ ኣብ ገዘኣ ዝጠቀትለት፤ ከምእትርከቦም ተሓቢሩ።
እቲ ቕትለት ኣብ ዝተፈላለያ ተቓውኦ ዝተርአየለን ከተማታትን ዝተፈጸመ ኾይኑ፤ እቲ ሰራዊት ዛጊድ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበሉን።
ሚን ኣንግ እላንግ ዝተብሃለ ነቲ ሰራዊት ወኪሉ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግን፡ ኣብ መዓልቲ ሰራዊት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቡ፡ "ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ንምስፋን ምስ መላእ እታ ሃገር ክንትሓባበር ኢና " ኢሉ።
"መርግጋእ ዝከልኡ ናዕብታትን ዘይሕጋዊ ምትእኽኻባትን ምግባር ግን ግቡእ ኣይኮነን " ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ምያንማር ብምኽንያት ኣብ 1945 ኣንጻር ጎቦጣ ጃፖን ዝተለዓለ ወተሃደራዊ ቃልሲ ዓመታዊ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ተባሂሉ ዕለት 27 መጋቢት ይብዓል እዩ።
እቲ ዝኽሪ፡ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ብዙሕ ግዜ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ መራሕቲ'ውን ይሳተፍዎ ነይሮም'ዮም፡ ሎሚ ዓመት ግን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣሌክሳንደር ፎርሚን ጥራይ እዩ ተሳቲፉ።
ሚን ኣንጉ ህላንግ ንምስታፍ እቲ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሩስያ እታ ሓቀኛ መሓዛ ምያንማር'ያ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣመሪካ፡ ዓባይ ብርጣያንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምያንማር ዕልዋ ዘካየደ ዕጡቕ ጉጅለ እገዳ ምንባረን ይዝከር።
ኣብ መንጎ ምያንማርን ሩስያን ዝነበረ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ናብ ዝልዓለ ምድግጋደፍ ክብ ክብል ጸኒሑ እዩ።
ሩስያ፡ ንኣሽሓት ወተሃደራት ምያንማር ወተሃደራዊ ተዓሊም ብምሃብን፡ ወተሃደራዊ ብረታት ብምሻጥን ንምያንማር ክትድግፋ ጸኒሓ እያ።
በርማ ዝብል ስም'ውን ዘለዋ ምያንማር፡ ኣብ 1948 ካብ ብርጣንያ ነጻ ወጺኣ፡ ድሕሪ ናጽነታ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኸኣ እቲ ዝብዝሐ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ኣሕሊፋቶ።
ኣብ'ታ ሃገር ዝነበረ ቀይዲታት ኣብ 2010 ክልሕልሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2015 ኸኣ ኣን ሳን ሱቺ ዝተመረጸትሉ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተኻይዱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







