ኣብ ኣትላንታ ብቕትለት ሽዱሽተ እስያውያን ደቂኣንስትዮ ዝተጠርጠረ ሰብ ክሲ ተመስሪትሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣትላንታ ኣሜሪካ ኣብ ኣብያተ መሕጸቢን መዛነዪን (ስፓ) ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ክሲ ተመስሪትዎ።
ፖሊስ ንግዳያት ከለልዩ ክጅምሩ እንከለው፡ እቶም ኣርባዕተ ስሞም ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሽዱሽተ እስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዓሌታዊ ጠንቂ እንተ'ለዎ፡ ገና ኣይተረጋገጸን።
እቲ ጥርጡር ብክሲ ብርክት ዝበለ ቕትለትን ዝለዓለ ጥቕዓትን ማእሰርቲ ክጽበዮ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ቸሮኪ፡ ፍራንክ ሬይኖልድስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ጥርጡር ናይ 'ወሲብ ወልፊ' ከም ዝነበሮ ምግላጹ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣንጻር ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ካብ ጽልኢ ዝብገስ ገበናት ከም ዝወሰኸ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ።
እተን መንነተን ዝተነጸረ ግዳያት፡ ኣሽሊ ያውን 33፡ ፓውል ኣንድረ ሚሸልስ 54 ሲያኦጂ ታን 49 ከምኡውን ዳዮ ፌንግ 44 ዝዕድሚኣ እየን። ኤሊካስ-አር ሄርናንደዝ ኦርቲስ ዝተባህለት'ውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝቖሰለት ተገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?
እቲ ናይ ፈለማ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣክዎርዝ፡ ኣውራጃ ቼሮኪ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምድራዝ 'ያንግ ኤስያን' እዩ ተፈጺሙ።
ኣብቲ ስፍራ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ሰለስተ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ እቶም ክለተ ኣብኡ ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ኣፈኛ ፖሊስ ካፒቴን ጄይ ቤከር ገሊጹ።
ንሱ ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ግዳያት፡ ክልተ እስያውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይትን ሓደ ጻዕዳ ሰብኣይን ከም ዝኸኑን ሓደ ሂስጳንያዊ ሰብኣይ ከም ዝቖሰለ'ውን ገሊጹ።
ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ ፖሊስ፡ 'ጎልድ ስፓ' ኣብ ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣትላንታ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሕጸብን መዛነዪን "ስርቂ" ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ በጺሕዎ።
ኣብቲ ናብ 911 ዝተገብረ ጻውዒት ቴለፎን ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ሓደ መጥቃዕቲ ዘብጽሕ ዘሎ ሰብ ትሕባእ ከም ዘላ ኣብቲ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ናይ ቴለፎን ቅዳሕ ትስማዕ።
"እቲ ሰብ እንታይ ይመስል?" እቲ ኦፕሬተር ይሓትት።
"ንሕባእ ኢና ዘሎና ሕጂ፤ ብረት ሒዞም ኣለው" ትብል እታ ደዋሊት።
"በጃኹም ምጹና፡ ሕራይ?" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣካላት ጸጥታ ናብቲ ማእከል ምስ በጽሑ፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ስፓ ብጥይት ተቐቲለን ከም ዝረኸቡ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቶም ኣካላት ጸጥታ ኣብኡ እንከለው፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ 'ኣሮማተራፒ ስፓ' ካብ ዝበሃል ማእከል መሕጸብን መዛነዪን ጻውዒት በጺሕዎም ምስ ከዱ፡ ካልእ ዝተቐትለት ሰበይቲ ረኺቦም።
ኣብ ካልኣይ ናብ 911 ዝተገብረ ናይ ቴለፎን ጻውዒት ሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብኣይ ናብቲ ስፓ ብምእታው ቶኽሲ ምጅማሩ መሓዝኣ ከም ዝደወለትላ ሓንቲ ሰበይቲ ትዛረብ።
ነቲ ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኽበ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ዝፈተሹ መርመርቲ፡ ናይ ሓደ ጥርጡር ስእሊ ድሕሪ ምዝርጋሕ፤ ፖሊስ ንጥርጡር ሮበርት ኣሮን ሎነግ ከባቢ 240 ኪሜ ካብ ኣትላንታ ንደቡብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ውድስቶክ ጆርጅያ ኣብ ቀየዲ ኣእትዮምዎ።
ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ ንመንነት ናይተን ኮርያዊ መበቆል ከም ዘለወን ዝተገለጸ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጽራይ ከም ዘለው ሓቢሮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







