ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት ብናጻ ኣካል ክጻረ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, AF
የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ፡ በቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሞት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት "ዓᎁቕ ሓዘን" ከምዝተሰምዖም ገሊጾም።
ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ዝርከብ መጽንሒ ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም 44 ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ 193 ከምዝቖሰሉ ሓደ ብዓል ስልጣን ሑቲ ገሊጹ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ከምዝጀመሩ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ጉጅለ ሑሴን ኣል-ዓዚ ተዛሪቡ።
ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ሓደጋ ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ሓቲቱ ነይሩ።
ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፡ እቲ ባርዕ ናብቲ ማእከል ብዝተተኮሰ ተወንጫዊ ዝሰዓበ'ዩ ብምባል፡ ሓይልታት ሑቲ ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
ኣካላት ጸጥታን ኣባላት ሓለዋን ብሓባር ብምዃን ነቲ ኣብቲ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውን ዝነብሩሉ መጽንሒ ዝተወልዐ ተቓውሞ ደው ከብሉ ከምዝፈተኑ መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ተጣባቒ ጉጅለ ተዛሪቦም።
እቶም ስደተኛታት ናብ ተቓውሞ ዝኣተዉ ኣብቲ ማእከል ብዘሎ ኣተሓሕዛ ዕጉባት ብዘይምዃኖም'ዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ንደገፍቲ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾኑ ሓይልታት ብምድፋእ ንከተማ ሰንዓን ሰሜናዊ-ምዕራብ የመንን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ'ዮም።
ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሑቲ ሑሴን ኣል-ዓዚ "በቲ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ መጽንሒ ስደተኛታት ዝሰዓበ ፍጻመ ሓደጋ ዝተሰምዓና ዓᎁቕ ሓዘን ክንገልጽ ንፈቱ" ምባሉ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ሑቲ እትርከብ ቴሌቪዥን ኣል- ማሲራህ ጸብጺባ።
"ምኽንያት ናይቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ኣሎ" ክብል እቲ ብዓልስልጣን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ንጉጅለ ሑቲ ብምውካል በቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘንን ቁጽሪ ዝሞቱ ስደተኛታትን ብወግዒ ዝገለጸ ፈላሚ በዓል ስልጣን እቶም ዕጡቓት'ዩ። ብዛዕባ'ቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ማርቲን ግሪፊስ ሎሚ ሰሉስ 17 መጋቢት ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "መንቀሊ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ ግድን ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር ኣለዎ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝበልዎ፡ እቶም ስደተኛታት ብ7 መጋቢት ኣብ ዝተጻበበን ጽሬቱ ዘይሓለወን ኩነታት ምትሓዞም ምስተቓወሙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሑቲ መጺኦም ኣብ ሓደ ክፍሊ (ሃንጋር) ዓጽዮሞም።
ሓደ ካብቶም ኣባላት ጸጥታ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ክፍሊ ብምድያብ፡ ናብ ውሽጢ ክልተ ተወንጫፍቲ ከምዝደርበየ ክልተ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። እቲ ቀዳማይ ተወንጫፊ ኣብ ምድሪቤት ምስ ዓለበ፡ የዒንቶም ዘንብዐን ዝዋጋእን ትኪ ኣውጺኡ። እቲ ካልኣይ ግን፡ ተፈንጂሩ ባርዕ ኣስዒቡ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ዝተደርበየ ተወንጫፊ እንታይ ምዃኑ'ኳ ከረጋግጾ እንተ ዘይክኣለ፡ ብመሰረት እቲ መሰኻኽር ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን፡ ቦምባ ትኪ፡ ዘንብዕ ጋዝ ወይ ስታን ዝተባህለ ቦምባ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
"ኣዝየ እየ ፈሪሐ፡ ኣእምሮይ ብትኪ ዝተዓብሎኸ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሰባት ይስዕሉ ነይሮም። ፍርናሻትን ኮቦርታታትን ድማ ይቃጸሉ ነይሮም" ክብል ሓደ ወዲ 20 ዓመት ስደተኛ ከምዝተዛረበ ተጠቒሱ'ሎ። "ሰባት ብሂወቶም እንከለዉ'ዮም ተጠቢሶም። ሬሳታቶም ረጊጸ ክሃድም'የ ተገዲደ።"
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ኣብ ከባቢ ሆስፒታላት ከቢድ ሓለዋ ጸጥታ ከምዝነበረን፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ካብ ሞትን መቖሰልትን ዝደሓኑ ስደተኛታት ዳግም ኣብ ምእሳር ተዋፊሮም ከምዝነበሩን እቲ ተጣባቒ ጉጅለ ጠቒሱ።
"ሰብመዚ ሑቲ፡ ነቶም [በቲ ዝሰዓበ ሞትን መቑሰልትን] ሓላፍነት ዝስከሙ ክሓቶምን፡ ንሂወትን ድሕነትን እቶም ስደተኛታት ንሓደጋ ኣብ ዘቃልዕ ማእከላት ምሓዝ ከቋርጽዎን" ኣብቲ ጉጅለ ሓላፊት መጽናዕቲ መሰላት ስደተኛታት ናድያ ሃርድማን ጸዊዓ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፡ ማርቲን ግሪፊስ ኣብቲ ንባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝኾነ ኣብ የመን ዘሎ ሰብ ሓለዋ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ።
"ኩሉ ኣብ የመን ዘሎ ሰብ፡ ዜግነቱ ብዘየገድስ፡ ሓለዋን ውሕስነትን ይግብኦ'ዩ" ኢሉ።
ዋላ'ኳ የመን ኣብ ኵናት ተሸሚማ እንተላ፡ ናብ ስዑዲ ክኣትዉ ዝፍትኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ በታ ሃገር ከምዝሓልፉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምዕጻዉ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ የመን ሓዲግ ተሪፎም ይርከቡ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቶም ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ የመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖምን፡ ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ምጥሓልን ግጭት የመንን ይኾኑ ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 130 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ከም ዝኣተው ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







