ኣመሪካ፡ 'ዩናይትድ ኣየር ላይንስ' 24 ነፈርቱ ካብ ስራሕ ደው ኣቢልወን

ተሰባቢሩ ኣብ መሬት ዝዓለበ ክፋል ናይቲ ሞተረ

ምንጪ ስእሊ, Broomfield PD

ዩናይትድ ኣየርላይንስ ብቀዳም ሓንቲ ካብ ነፈርቱ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተራ ስለዝተፈንጀረ፡ ኣብ ስራሕ ካብ ዝነበረ 24 ቦይንግ 777 ነፈርቱ ደው ክብላ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።

ብቀዳም 231 ገያሾን 10 ኣባለት በረራን ሒዛ ካብ መዓርፎ ነፍርቲ ዴንቨር ዝተበገሰት ብዩናይተድ ኣየርላይንስ እትውነን ነፋሪት፡ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተራ ብሓዊ ክቃጸል ስለዝጀመረ ስብርባር ናይቲ ሞተር ኣብ መንብሪ ኣባይቲ ምውዳቁ ይዝከር።

እታ ነፋሪት እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ናብቲ ዝተበገሰትሉ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሳ ብሰላም ክትዓልብ ክኢላ እያ።

ድሕሪ እዚ ክስተት እዚ: ጃፓን ተመሳሳሊ ሞተር ዘለወን ቦይንግ 777 ብሰማያታ ከይበራ ኣጊዳ ኣላ።

መግለጺ ቪድዮ, ሞተረ ናይታ ነፋሪት እናተቃጸለ እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ (ሓደ ካብረቶም ተሳፈርቲ ዝስኣሎ)

ቦይንግ ብወገኑ ኣብቲ ጃፓን ዝወሰነቶ እገዳ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ እኹል መርመራ ክሳብ ዝግበር ተመሳሳሊ ሞተር ዘለወን ቦይንግ 777 ካብ ስራሕ ደው ኢለን ክጸንሓ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ሞተር ዝጥቀማ (ምስዛ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተረኣ ዝተቃጸለ) 69 ቦይንግ 777 ከምዘለዋ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ።

ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን፡ የማናይ ሞተር ናይታ ነፋሪት ከምዝተቃጸለ ብምሕባር፡ እተን ልክዕ ከምዛ ነፋሪት ፕራት ኣንድ ዊትኒ 4000 ዝዓይነቱ ሞተረር ዝጥቀማ ነፈርቲ እኹል መርመራ ክግበረለን ከምዝኣዘዘ ገሊጹ ኣሎ።

ተሰባቢሩ ኣብ መሬት ዝዓለበ ክፋል ናይቲ ሞተረ

ምንጪ ስእሊ, Broomfield PD via EPA

ተሳፈርቲኸ እንታይ ይብሉ?

ብቁጽሪ በረራ 328 ትበርር ዝነበረት እዛ ነፋሪት፡ ብመገዲ ኣየር ዩናይትድ ትውነን ቦይንግ 777 እያ።

'ፖሊስ ናይ'ታ ጥቃ ከተማ ዴኒቨር እትርከብ ከተማ ብሩምፊልድ፡ እቲ ስብርባር ዝዓለበሉ ቦታታት ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሐሞ።

ኣብ'ታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ነዊሕ ከይከደት 'ብርቱዕ ድምጺ ምፍንጃር' ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ካብ ሓደ መቶረኣ ብርቱዕ ትኪ ይወጽእ ምንባሩ የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, Hayden Smith/@speedbird5280/Reuters

ሓደ ካብቶም ኣብ'ታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ገየሽቲ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርቱዕ ድምጺ ኣብ ዝተሰማዓሉ፡ እቲ ኣብራሪ ብመጉልሒ ጽምጺ ንተጓዝቲ ሓበሬታ ይህቦም ከምዝነበረ ገሊጹ።

እቲ ደቪድ ድሉቸሽያ ዝተብሃለ ተጓዓዚ "እታ ነፋሪት ብኸቢድ ክትሕቆን ጀሚራ፡ ካብቲ ንኸዶ ዝነበርና ብራኸ ኸኣ ንታሕቲ ገጽና ክንንቆት ጀሚርና" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ንሱን ብዓልቱ ቤቱን ምናልባት እታ ነፋሪት እንተወዲቓ ሬሰኦም መታን ክልለ፡ ነቲ ንመንነቶም ዝገልጽ ወርቓቕቲ ኣብ ጅበኦም ከምዘቐመጥዎ ሓቢሩ።

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ካብ ሓደ ሞቶራ ትኪ ይወጽእ ምንባሩ የርኢ።

ሓደ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪ ኮይኑ ዝሰኣሎ ተንቀሳቃሲ ምስሊ'ውን ሓደ ሞተር ናይ'ታ ነፋሪት ሓዊ እናተቓጸለ የርኢ።

እቲ ክስተት ብኣቆጻጽራ ከባቢ ኮሎራዶ፡ ቀዳም ከባቢ ሰዓት 1 ናይ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ ከተማ ብሩምፊልድ፡ ነበርቲ ወዲቑ ንዝጸንሖም ክፋል ሞተር ናይ'ዛ ነፋሪት፡ መታን ንጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥን ንመርመራ ክሕግዝን፡ ብኢዶም ከይትንክፉ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ሓንቲ ነባሪት ብሩምፊልድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝተበታተነ ክፋል ናይ'ቲ ሞተር ካብ ሰማይ እናወረደ እንከሎ ብዓይና ከምዝርኣየቶን ምስ ደቃ ኣብ ከውሊ ከምዝተሓብአትን ንሲኤንኤን ገሊጻ።