ቅልውላዉ ሶማልያ፡ ኣብ ሞንጎ ሓለውቲ መራሕቲ ተቓውሞን ሓይልታት ጸጥታን ከቢድ ምልውዋጥ ተዂሲ ተኻይዱ

ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዕድመ ስልጣን ብፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምብቅዑ፡ ተቓወምቲ ወገናት ኣንጻሩ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም

ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝወደብዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ጽዑቕ ተዂሲ ከም ዝተሰምዐ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ዕድመ ስልጣን ናይቲ ብፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምብቅዑ፡ ተቓወምቲ ወገናት ኣንጻሩ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም።

ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ገለ ዕጡቓት ሚሊሻ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ ዒላማታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ መንግስቲ ገሊጹ።

ቀንዲ ጎደናታት ናይታ ከተማ ተዓጽዮም፡ ሓይልታት ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ሶማልያ ድማ ኣብታ ከተማ ንሓለዋ ተዋፊሮም ኣለዉ።

እቲ "ፋርማጆ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ንሓሙስን ረቡዕን ዝቕጽል ኣኼባ ጸዊዑ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ናብቲ ንብዙሕ ግዜ ዝተመሓላለፈ ኣኼባ ሓደ ካብ ተቓወምቲ ጥራይ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ ወኪል ቢቢሲ ካብ ሞቓድሾ በላ ሺጎው ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ናብታ ከተማ ዝግበሩ ዝነበሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ሓያል ተዂሲ ድሕሪ ምስምዑ ተቛሪጾም ኣለዉ።

በቶም ዝተኻየዱ ደብዳባት፡ ደዃኩንን ኣብያተ መግብን ከም ዝዓነዉ'ውን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጠቒሱ።

እቲ ቶዂሲ ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝወስድ ጽርግያ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ንሰማይ ከምዝተኮሱ ጸብጻባት ገሊጾም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ቶዂሲ ምስ ተጀመረ ሰልፈኛታት ሂወቶም ንምድሓን ክሃድሙ ይርኣዩ።

"ብዙሓት ሓይልታት ብከቢድ ኣጥቂዖምና፤ ኣነ ንባዕለይ ኣብ ሓደ ጸቢብ መገዲ ተኾርምየ ኣለኹ" ክብል ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝኾነ ፋራሕ ዖመር ብተሌፎን ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ድርዕቲ ወታሃደራዊት መኪና አብ ጎደናታት ሞቓድሾ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ሶማልያ ድማ ኣብታ ከተማ ንሓለዋ ተዋፊሮም ኣለዉ

ዮሱፍ መሓመድ ዝተባህለ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ንመራሕቲ ተቓውሞ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲን ሓይልታት ጸጥታን "ብርቱዕ ናይ ቶዂሲ ምልውዋጥ" ነይሩ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓለውቲን ሓይልታት ጸጥታን ዝተገብረ ምልውዋጥ ተዂሲ "ልዑል ሻቕሎት" ከም ዘለዎ ገሊጹ'ሎ።

ስለምንታይ'ዩ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ዘይክኣለ?

እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሶማልያ፡ ካብ 2012 ጀሚራ ተዛማዲ ምርግጋእ ክትርኢ ክኢላ ምጽንሓ ይግለጽ።

ኣብ 2012 ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ምምስራቱ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ከማሓይሾ ክኢሉ ነይሩ።

ህዝቢ'ታ ሃገር ንመወዳእታ ግዜ፡ ብውልቂ ድምጺ ዝሃበሉ ዴሞክራስያዊ ምርጫ እቲ ኣብ 1969 ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ዝተኻየደ ምርጫታት ዘይቀጥታዊ ኮይኑ፡ መራሕቲ እንዳታት ብዝውክልዎ ባይቶ'ዩ ፕረዚደንት ዝምረጽ።

ጠንቂ ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ'ውን እቲ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስትን ዞባዊ መራሕትን ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ'ዩ።