ናይጀርያ: መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓደ ቆልዓ ብምቕታል 27 ካልኦት ጨውዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ናይጀርያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ሓደ ቆልዓ ብምቕታል ካልኦት 27 ከምዝጨወዩ ኣማሓዳሪ ዞባ ኒጀር ገሊጹ።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 3 ኣለይቲን፡ 12 ቤተሰብ ናይቶም ቆልዑ'ውን ተጨውዮም ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣስታት 600 ኣወዳት ቆልዑ ኣብ መደቂሲ ክፍልታቶም ከም ዝነበሩ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዳናሳበ ኡባይዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝተጨውዩ ንምርካብ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ዋላ'ኳ ዕላማ ናይዚ ኣብ ከተማ ካጋራ ዝተኻየደ ጭውያ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይጀርያ ዕስለ ገበነኛታት ንገንዘብ ኢሎም ቀጻሊ ጭውያታት ከምዝፍጽሙ ወኪል ቢቢሲ ካብ ርእሰከተማ ኣቡጃ ይገልጽ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣስታት 20 ካብ መርዓ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ተጨውዮም ነይሮም'ዮም። እቶም ኣብ ኣውቶቡስ እናተጓዕዙ ዝተኸትሩ ግዳያት ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ልዕሊ 300 ኣወዳት ተምሃሮ ካብታ ኣብ ዞባ ካሲና እትርከብ ከተማ ካንካራ ተወሲዶም ምንባሮም ይዝከር። ምስቶም ዕጡቓት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ ግን ድሒሮም ተፈቲሖም።
ኣብዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ግን፡ እቶም ዕጡቓት ወታሃደራዊ ክዳን ብምልባስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ፡ ኣግልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ንምንጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ብነፈርቲ ዝተደገፉ ወታሃደራት መንግስቲ ነቶም ጨወይቲ ንምህዳን ተዋፊሮም ከምዘለዉ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ'ሎ።
ገለ ካብቶም ዝተጨውዩ ቆልዑ፡ ካብ ኢድ ናይቶም ዕጡቓት ብምህዳም ናብ ጣሻታት ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽናሕ ይምለሱ ከምዘለዉ ሓላፊ ናይታ ቤት ትምህርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ናይ ፈራሓት" ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ዕማም ንምስላጥ ሓደ ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝቖመ ጉጅለ ኣዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ መፍትሒ ክረኽበሉ ሓያል ጸቕጢ ክግበረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ብቐጻሊ ዝፍጽምዎም ይኹን ነቲ ኣብቲ ደቡባዊ ክፋል ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ዝካየድ መጥቃዕትታት ነታ ሃገር ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኮይኑዋ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







