ንተምሃሮ ዝጨወዩ ዕጡቓት 'ኣብ ከበባ ኣትዮም' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት ናይጀርያ ነቶም ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ጨውዮም ንዝወሰዱ ዕጡቓት ኣብ ከበባ ከምዘእተዉ ወሃቢቓል ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣፍሊጡ።
10 ተምሃሮ በቶም ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉ ዝሓበረ ወሃቢ ቓል ጋርባ ሸሁ፡ እዚ ቑጽሪ ግን ካብቲ እቶም ዕጡቓት ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘጥቁዑሉ እዋን ደሃዮም ተሳኢኑ ዝተበሃሉ ብዝሒ ተምሃሮ ኣዝዩ ውሑድ ምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብቲ ደቂተባዕትዮ ጥራሕ ዝመሃሩሉ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 800 ቆልዑት ተመዝጊቦም ይመሃሩን ይነብሩን ምንባሮም ይግለጽ። ዳርጋ ፍርቆም ድማ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ።
እቲ ወሃቢ ቓል ከምዝበሎ እንተኾይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ተምሃሮ ዝጨወዩሉ ምኽንያት ገንዘብ ቤዛ ንምሕታት ክጥቀሙሎም’ዩ።
መንግስቲ’ውን ሸፋቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ይገልጽ።
ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ጥራይ ኣብ ፈላሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት [2020 ኣ.ኤ] ልዕሊ 1 ሽሕን 100 ሰባት ብሸፋቱ ከምዝተቐተሉ መረዳእታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል የመልክት።
መንግስቲ ድማ ነቶም ሸፋቱ ናብ ሕጊ ብዘይምቕራብ ይንቀፍ።
ኣብ ናይጀርያ ስግኣታት ድሕነት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ኣብታ ሃገር ወኪል ቢቢሲ ዝኾነት ማየኒ ጆነስ ሓቢራ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ ሰሜን-ምዕራብ ንሰባት ጨውዮም ገንዘብ ቤዛ ብዝሓቱ፤ ሰሜን-ምብራቕ ብእስላማዊ ዕጡቓት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ናይጀርያ ካብ ነደዲ ዝርከብ ኣታዊ ዝለዓለ ብጽሒት ዝጠልቡ ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕቲታት ስግኣት ጸጥታ ኣሎ።
ምስቲ ኣብ ግዝኣት ካጺና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ድማ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸቡ ወለዲ፡ መንግስቲ ንደቆም ኣብ ምድላይ ክሕግዞም ይምሕጸኑ ምህላዎም ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣቡባካል ላዋል ዝተበሃለ ኣቦ ካብ ሰለስተ ደቁ እቶም ክልተ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ከምዝነበሩን ደሃዮም ከምዝተስኣነን ተዛሪቡ።
እቶም ዕጡቓት ዝተሓብኡሉ ጫካ ፈሊጠዮ ኣለኹ ዝበለ ሰራዊት ናይጀርያ ምስኦም ከምዝተታኾሰ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ነቶም ተምሃሮ ንምትራፍ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ “ብዙሓት ወተሃደራት” ከም ዝሳተፉ ድማ ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ተዛሪቡ።
“ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተሓብኡ ኣብ ዝኣመኑሉ ቦታ የተሓባብሩ ኣለዉ። ነቲ ከባቢ ብምሉእ ከቢቦምዎ”ዮም” ኢሉ ሸሁ።
ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ናብቲ ከባቢ ከይዱ ብዛዕባ’ቲ ነቶም ቆልዑ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መብርሂ ተዋሁብዎ’ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







