ናይጀርያ፡ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዕጡቓት ምስ ተጠቕዐ ኣማኢት ተምሃሮ ደሃዮም ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, GAIL KANKARA
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ንሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣጥቅዑ ፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ተምሃሮ ናብ ዝኣተውዎ ኣይተፈልጠን ተባሂሉ።
እቶም ዕጡቓት ብሞቶርሳይክል መጺኦም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተኹሲ ምስ ከፈቱ፡ ብዙሓት ሰንቢዶም ፋሕ ብትን ክብሉ ከምዝጀመሩ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
እቲ መጥወቃዕቲ ኣብታ ሃገር ካጺና ኣብ ዝተብደሃለት ግዝኣት ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ትምትህርቲ ሳይንስ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ልዕሊ 800 ተምሃሮ ድማ ኣብኡ ይነብሩ።
ትማሊ ቀዳም ሰራዊት እታ ሃገር፡ እቶም ዕጡቓት ዝተሓብእሉ ጣሻ ከምዝፈለጠን ከምዝተታኸሶምን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ገና ብዝርዝር ኣይተፈልጠን፤ ዝተጎድኡ ተምሃሮ ምህላዎምን ዘይምህላዎን ኣይተሓበረን።
ብዙሓት ተምሃሮ ግና ናብ ዝኣተውዎ ኣይተፈልጠን።
ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ሙሓሙዱ ቡሃሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ክንደይ ዝኣኽሉ ተምሃሮ ከምዝጠፍኡን መንነቶምን ከጻሪ ኣዚዙ ኣሎ።
ደቆም ዝወሰዱ ተምሃሮ ድማ ከፍልጡ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣብ ጥቓ እቲ ተምሃሮ ኣብኡ እናነበሩ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዝነብሩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዓርቢ ናይ ምሸት ሰዓት 11 [5] እዩ ዝጀመረ ኾይኑ ንልዐዕሊ ሓደ ሰዓት ጸኒሑ።
ሓጹር ዘሊሎም ኣምሊጦም ዝነበሩ ልዕሊ 200 ተምሃሮ ዝተመልሱ ኮይኖም፡ ዝተረፉ ግን ናብ ዝኣተዉዎ ኣይተፈልጠን።
እቶም ዕጡቓት ብዙሓት ተምሃሮ ሒዞም ክኸዱ ከምዝረእዩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







