ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ሰባት ቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ናይጀርያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንመምርሒታት ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝወስድዎ ዘለዉ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲታት 18 ሰባት ከምዝቐተሉ፡ ማሕበራት ሰባዊ መሰላት'ታ ሃገር ከሲሶም።
እቶም ግዳያት፡ ልዕሊ'ቶም በቲ ለበዳ ዝሞቱ 12 ምዃኑ'ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።
ጭብጥታት ናይቲ ቅትለት፡ ካብ ኣባላት ሕብረተሰብ ዝተረኽበ ናይ ተሌፎን ጻዊዒታትን ከፍጸም እንከሎ ዘርኢ ቪድዮታትን ምዃኑ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክሳብ ሕጂ 12 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብታ ኣስታት 200 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ፡ 407 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ'ውን ተፈሊጡ።
ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ፡ ብጭካኔኦም ዝፍለጡ ምዃኖም ይንገር።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ብውሕዱ 1476 ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት የረድኡ።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ ዛጊት ነቲ ዝወጸ ጸብጻብ መልሲ ኣይሃብሉን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







