ኣብ ፈለግ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብውሕዱ 60 ሰባት ጥሒሎም

ተጸቓቒጦም ኣብ ጃልባ ዝተሰቕሉ ተጓዓዝቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋላ'ኳ መብዛሕትኦም ክሕንብሱ ዘይክእሉ እንተኾኑ እቶም ተጸቓቒጦም ዝስቀሉ ተጓዓዝቲ ናይ ድሕነት ጃኬት ኣይወሃቦምን'ዩ

ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ብውሕዱ 60 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ፈለግ ኮንጎ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 200 ካልኦት ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን፡ ኣስታት 300 ከም ዝድሓኑን ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ብለይቲ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ምስ ከውሒ ብምግጫዋ'ዩ እቲ ሓደጋ ስዒቡ። ጃላቡ ብለይቲ ክጓዓዛ ክልኩል ምዃኑ ይፍለጥ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ጽርግያታት፡ ብዙሓት ሰባት ንሩሑቕ ቦታታት ንምጉዓዝ ጃላቡ ክጥቀሙ ከም ዝመርጹ ይንገር።

ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ስቲቭ ቢካዪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ተጻዒና ምንባራን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብለይቲ ትጓዓዝ ከም ዝነበረትን ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ተዛሪቡ።

"እዞም ምኽንያታት ጠንቂ ናይቲ ሞት 60 ሰባት ዘስዓበ ሓደጋ'ዮም። ክሳብ ሕጂ 300 ከነድሕን ኪኢልና ኣለና። ነቶም ካልኦት ንምርካብን ናይ ሂወት ኣድሕን ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ።

ሓደ ኣፈኛ ዞባዊ መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ብሰንበት ሰዓት 8 ናይ ምሸት'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ክብል ተዛሪቡ።

"ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ሬሳታት ኣብቲ ፈለግ ጸምበለል ይብሉ ኣለዉ ኢሎም ነጊሮምና" ክብል ቻርለስ ቡታሙንቱ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ጠቒሱ።

እታ ካብ ርእሰከተማ ኪንሻሳ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ናብታ ኣስታት 700 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ርእሰከተማ ኣውራጃ ኢኳቶር ትጓዓዝ ከምዝነበረት እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ከምዚ ዓይነት ናይ ጃልባ ሓደጋታት ብቐጻሊ ከጋጥሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ዋላ'ኳ መብዛሕትኦም ክሕንብሱ ዘይክእሉ እንተኾኑ እቶም ተጸቓቒጦም ዝስቀሉ ተጓዓዝቲ ናይ ድሕነት ጃኬት ኣይወሃቦምን'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ቀላይ ኪቩ ኣብ ዘጋጠሙ ክልተ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት 167 ሰባት ምማቶም ይዝከር።

ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ፕረዚደንት ፈሊክስ ቺሰከዲ፡ ናይ ድሕነት ጃኬት ኣብተን ጃላቡ ግድነት ክኸውን ኣዚዙ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ክንደይ ካብዞም እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት እቲ ጃኬት ተዋሂብዎም ነይሩ ዝተፈልጠ የለን።