ኮንጎ፡ 'እስላማውያን ዕጡቓት' ቤት ማእሰርቲ ብምጥቃዕ 1300 እሱራት ኣፍቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Radio Okapi
ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ በኒ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ከምዝኾኑ ዝተጠርጠሩ ዕጡቓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1300 እሱራት ኣፍቲሖም።
እቲ ኤዲኤፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ንምፍታሕ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ከንቲባ እታ ከተማ ተዛሪቡ።
ኣብቲ 'ካንግባዪ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣስታት 100 እሱራት ጥራሕ ከምዝተረፉ እውን እቲ ከንቲባ ገሊጹ።
ኮይኑ ግና እቲ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ዛጊድ መልሲ ኣይሃበን።
እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስላም ዝበጽሕ ኣድልዎ ንምቅላስ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዳሓር ግና ብወታሃደራት ዩጋንዳ ተደፊኡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዓሪዱ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ብቑጽሪ ብዙሓት ኮይኖም ናይ ኤልክትሪክ መሳርሒ ከምዝሓዙ ዝገለጸ ከንቲባ እታ ከተማ ሞደስተ ባክዋናማሃ "ነዚ ዝፈጸመ ኤዲኤፍ እዩ ኢልና ኢና እንኣምን" ኢሉ።
ካብቶም ንምምላጥ ዝፈተኑ እሱራት ክልተ ከምዝቐተለ ፖሊስ እንትገልጽ፡ ሬድዮ ኦካፒ ድማ 14 ከምዝተትሓዙ ሓቢራ።
ነቶም ዘምለጡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓል ወፍሪ ይካየድ ከምዘሎ ድማ ወሃቢ ቃል ወታሃደራት እታ ከተማ ተዛሪቡ።
ኣብ 2017 ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘምለጡ ይዝከር።
ጉጅለ ኤዲኤፍ፡ ኣብቲ ዞባ ሰፋሕቲ ግህሰታት ብምፍጻም ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር፡ ሰራዊት ኮንጎ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ናብዚ፡ 570 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







