ቤት ፍርዲ ቤልጂም ስኒ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳ ንናጽነት ፓትሪስ ሉሙምባ ንቤተሰቡ ክወሃብ ወሲኑ

ፓትሪስ ሉሙምባ ምስ ብጾቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቤት ፍርዲ ቤልጂም፡ ስኒ ናይቲ ከም ኣቦ ናጽነት ኮንጎ ዝሕሰብ ፓትሪስ ሉሙምባ ንቤተሰቡ ክወሃብ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ነቲ ውሳነ ብኣወንታ ከምዝቕበሎ ዝገለጸ ወዲ ሓው ንሉሙምባ ዝኾነ ዤን ዣክዌስ ሉሙምባ: "ጅግና እዩ፤ በኺና ኣይቐበርናዮን። እቲ ውሳነ ጽቡቕ ጅማሮ እዩ" ኢሉ።

ምስ ሉሙምባ ዝተቐተሉ ጆሴፍ ኦኪቶን ማውሪስ ምፖሎን እውን ጀጋኑ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ዤን: "ብኸመይ ከምዝተሰውኡ ዝሕብር ሓቂ ክወጽእን ክዝረብን ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።።

ቤት ፍርዲ ቤልጂም ካብ ፓትሪስ ሉሙምባ ዝተወሰደ ስኒ ንጓሎም ጁሊያን ንኽወሃባ'ዩ ወሲኑ። ንሳ እቲ ስኒ ንኽወሃባ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ንጉስ ቤልጂም ጽሒፋ ነይራ።

ኮንጎ ኣብ 1960 ኣ.ኤ ናጽነታ ካብ ቤልጂየም ዝረኸበት ኮይና፤ ፈላሚ ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ዝነበረ ሉሙምባ ድማ ብ1961 ኣ.ኢ ብተነጸልቲ ሓይልታት ተቐቲሉ።

መንግስቲ ቤልጂም ኣብ ቅትለት ፓትሪስ ሉሙምባ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ብምእማን ብ2002 ኣ.ኤ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።

ኣብቲ ቕትለት ድማ ትካላት ስለያ ኣሜሪካን እንግሊዝን ከምዝተሳተፉ ይእመን።

ስኒ ናይቲ "ኣቦ ናጽነት ኮንጎ" ብፖሊስ ቤልጂየም ከምዝተወሰደ ዝሓበረ ጸብጻብ ወኪል ዜና ፈረንሳይ፤ ደሓር ግን ኣብ ኢድ ሰበስልጣን ቤልጂየም ከምዝኣተወ የመልክት።