ኣማኻሪ ፕሬዝደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ ኮይኖም፡ ካብዚኦም በዓል ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣማኻሪ ፕሬዝደንትን ጂን ጆሴፍ ሙከንዲ ዋ ሙሉምባ ሓደ እዩ።
ሙሉምባ ኣማኻሪ ፕሬዝደንት ፌሊክስ ቴሼኬዲ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ወሳኒ ሰብ ዝበሃል እውን እዩ።
ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 48 ኮይኖም፡ ብሰኑይ ፕሬዝደንት ፌሊክስ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ክዕጸው፡ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ድማ ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘለዋ ርክብ ክተቋርጽ ውሳነ ኣሕሊፉ'ዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ዋና ሓጋዚ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ኣሎ።
ሓደ ላዕለዋይ ሹም መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣማኻሪ እቲ ፕሬዝደንት ኣባ ክያሪ ብኮሮቫይረስ ተጠቒዑ ኣሎ።
"የማናይ ኢድ" መሓመድ ሁሃሪ ዝበሃል ኣባ ክያሪ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከብ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ብምኻን ኣብ ጀርመን ምብጻሕ ኣካይዱ።
ኣባ ክያሪ ንነብሱ ወሺቡ ከም ዘይጸንሐ እንትግለጽ፡ ብውሑድ 16 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምስኡ ምትንኻፍ ከም ዝነበሮም ተፈሊጡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







