ኣፍያ ዳታ፡ መቆጻጸሪ ሓዱሽ ሕማም

ምንጪ ስእሊ, Afyadata
ታንዛኒያ ሓዱሽ ሕማም እንተጋጥም ዝቆጻጸር መተግበሪ ዕላዊ ገይራ።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ታንዛኒያ ሶኮይን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝቆጻጸር መተግበሪ ምሂዞም።
እዚ ከምቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣጓኒፉ ዘሎ ቫይረስ ኢቦላ፡ ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ንምቁጽጻር ከምዝሕግዝ ተገሊጹ።
እዚ "ኣፊያ ዳታ" ዝተብሃለ መተግበሪ ሓደ ሕማም ኣሎ ካብ ዝበሃለሉ ከባቢ ሓበሬታ ኣኪቡ ብመገዲ ኢንተርኔት ናብ ዋና መአከቢ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ መሳርሒ'ዩ።
ቐጺሉ፡ ልሙድ ዘይኾነ ነገር ኣሎ ዝብል መልእኽቲ እንትርከብ፡ ንሰብ ሙያ ጥዕና ደወል የስምዕ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶኮይን ፕሮፌሰር ራፋኤል ቺቡዳ ኣፍያ ዳታ ከም ኢቦላ፣ ሙቐት ሓጓፍ ሽንጥሮን ካልኦት ተላገብቲ ሕማማትን ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎ መተግበሪ'ዩ ኢሎም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







