ኮንጎ፡ ኣዛዚ ስለያ ኮንጎ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

ጀነራል ደለፊን ካሂመቢ፡

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰራዊት ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሞት ሓላፊ ስለያ እታ ሃገር ዝነበረ ይምርምር ምህላዉ ገሊጹ።

ደለፊን ካሂመቢ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ግዝኡ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ቅድሚ ምማቱ ግን መጋባእያ ሃገራዊ ድሕነት ቀሪቡ ምስክርነት ክህብ ነይርዎ።

ንሱ፡ ንመንግስቲ ፊሊክስ ቺሰከዲ ዕግርግር ኣብ ዘእቱ ውዲት ተሳፈቲፉካ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ነይሩ።

ጀነራል ደለፊን ካሂመቢ፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተኣጊዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፕረዚደንተ ኮንጎ ፈሊከስ ቺሰከዲ፡ ነታ ሃገር ን18 ዓመታት ንዝመርሓ ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ ብምትካእ'ዩ ኣብ 2019 ስልጣን ተረኪቡ። እዚ ኣብታ ሃገር ድሕሪ 60 ዓመታት ዝተገብረ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን'ዩ።

ጀነራል ደለፊን ካሂመቢ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ፡ ሓያል ሰብ ከምዝነበረ ይንገር።

እዚ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ክኢላ ስትራተጂስቲ ከምዝነበረ ዝነገረሉ ጀነራል፡ ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምልክት ጭፍጨፋን ጭኴናን ከምዝነበረ ተቓወምቲ ሓይልታት ይገልጹ።

ክሳብ ሕጂ መን ከምዝቐተሎ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ገለ ምንጭታት ግን እቲ ጀነራል ነፍሰ- ቅትለት ከምዝፈጸመ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ተኒ ዝቐረቦ ክሲ ክሳዕ ዝምልስ ካብ ስርሑ ጠጠው ኢሉ ምንባሩ ገለ ሓበሬታታት ይእምቱ።