ኣብ ሱዳን ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 23 ትሕቲ ዕድመ ተምሃሮ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ናይ ጃልባ ምጥሓል ሓደጋ መብዛሕቶም ቆልዑት ምዃኖም ዝዝረበሎም ዘሎ 23 ትሕቲ ዕድመ ተምሃሮ ጢሒሎም ሞይቶም።
መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ካብ 7 ክሳብ 16 ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ እዮም። ሓንቲ ሰራሕተኛ ሓለዋ ጥዕና'ውን ምስኦም ኣብቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሂወታ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።
ሓንቲ ስድራ፡ ኣርበዓተ ኣሓት ዝኾና ኣዋልዳ ከም ዝሰኣነት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ካልኦት 12 ቆልዑት ካብታ ጃልባ ድሕሪ ምዝላሎም ሓምቢሶም ናብ ድንደስ ናይቲ ፈለግ ብምውጻእ ክድሕኑ ኪኢሎም ኣለዉ።
እቲ ሓደጋ 500 ኪሜ ሰሜን ካብ ካርቱምን፡ ካብ ከተማ ኣቡ ሓማድ ኣስታት 100 ኪሜ ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ ክፋል ፈለግ ናይል እዩ ኣጋጢሙ።
እታ ተምሃሮ እተጓዕዝ ዝነበረት ጃልባ፡ ሞተረኣ ድሕሪ ምብልሻዉ ምስ ሓደ ጉንዲ ተጋጭያ። በዚ ድማ እቶም ተጓዓዝቲ ሰንቢዶም ናብ ሓደ ወገን ናይታ ጃልባ ምስተጸግዑ እታ ጃልባ ክትግምጠል ከም ዝኻኣለት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እታ ጃልባ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቶም ንምብጻሕ ትጓዓዝ ዝነበረት'ያ።
ተምሃሮ ናይቲ ከባቢ ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ቦታ ዝተራእየ ዕልቕልቕ ብእግሮም ናብ ቤት ትምህርቶም ክኸዱ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ቅድሚ 2 ሰሙን ብጃልባ ክጎዓዙ ከም ዝጀመሩ፡ ርእሰ-መምሕር ናይ ሓንቲ ካብተን በቲ ሓደጋ ዝተጸልዋ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓቢሩ።
ጠንቂ ናይቲ ዕልቕልቕ ኣብቲ ከባቢ ዝተሰርሐ ኣዘራራቢ ዝኾነ ዲጋ (ግድብ) ምዃኑ'ውን ይዝረበሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







