ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ምርጫ 2020 ክወዳደር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ገዛኢ ሰልፊ ሱዳን ንፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብቲ ኣብ 2020 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ሓጽይዎ።
ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ዝሰፈረ ፕረዚደንት ንክልተ ናይ 5 ዓመት ጊዜ ጥራይ ክምረጽ ዝእዝዝ ገደብ ክመሐየሽ ብምሉእ ድምጺ ብምውሳኑን ፕረዚደንት ኣልበሽር ን3ይ ጊዜ ክምረጽ ዘኽእሎ ባይታ ድሕሪ ምጥጥሑን'ዩ ንሳልሳይ ጊዜ ሓጽይዎ።
እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ'ቲ ኣብ 2015 ዝተገብረ ምርጫ ከም ዘይወዳደር ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ንሱ፡ ንሱዳን ንልዕሊ 29 ዓመታት ብምምራሕ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ።
እቲ ወዲ 74 ዓመት ዝኾነ በሽር ኣብ 1989 እዩ ብወታሃደራዊ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ደዪቡ።
ኣብቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ህዝቢ ክሕሰሞ ዝጸውዕሉ ዝሓለፈ ምርጫ 94% ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።
ቅድሚኡ ዝተኻየዱ ምርጫታት ተኣማንነት ዘይነበሮም ምዃኖም ተሓለቐቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።
ፕረዚደንት በሽር ኣብ ናይ ዳርፉር ግጭት ገበናት ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኲናትን ፈጺሙ ተባሂሉ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ክድለ ጸኒሑን ኣሎን።
እንተኾነ ግን ብወገኑ ነቲ ገበናት ከም ዘይፈጸሞ ብምምጓት ነቲ ክስታት ይነጽጎ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







