ብወሰኽ ዋጋ ባኒ ዝተላዕለ ሰላማዊ ሰልፊ ሱዳን ይቕጽል ኣሎ

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ወሰኽ ዋጋ ባኒ ሱዳን

መንግስቲ ኣብ ኣቕርቦት ሓርጭ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ መሰልዓሎ፡ ዋጋ ባኒ ብዕጽፊ ብምውሳኹ ማዕበላዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተኸሲቱ። ፖሊስ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሰቲ ካርቱም ንዝነበረ ሰልፊ ተማሃሮ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም ክብትንዎ ፈቲኖም፡ ነቲ ቐጽሪ እውን ዓጽዮሙዎ ኣለዉ።

እቲ ኣንጻር ምውሳኽ ዋጋ ባኒ ዝተላዕለ ሰልፊ ንራብዓይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ሰበስልጣናት እቲ ስርዓት ካብ ንቡር ወጻኢ ጎነጽ ዝጥቀም ሰልፊ ብሓይሊ ክብትኑዎ ምዃኖም ሓቢሮም።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዘኸተለ ወሰኽ ባኒ፡ ንቑጠባዊ ሽግራት ሱዳን ንምሕዋይ ተባሂሉ ብዓለማዊ ውድብ ገንዘብ (IMF) ዝተዋህበ ምኽሪ እዩ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዘኸተለ መንግስቲ ዝወሰዶ ምልዓል ድጎማ ሓርጭ ብምንቃፍ ንዝተጻሕፈ ሕታማት ጋዜጣታት ሃጊሩዎ'ሎ።

ኣብ 2013 ብምኽንያት ወሰኽ ነዳዲ ንዝተኸስተ ንሰሙናት ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ 80 ሰባት ምማቶም መንግስቲ ምእማኑ ይዝከር።