ብሕማም ኢቦላ ልዕሊ 1000 ሰባት ሞይቶም

ሰራሕተኛ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ታሪኽ ብካልኣይ ደረጃ እቲ ዝኸፍአ እዩ

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ብሕማም ኢቦላ ዝሞቱ ሰባት ካብ 1000 ከምዝዛየደ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ነሓሰ ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ብካልኣይ ደረጃ እቲ ዝኸፍአ ኮይኑ'ሎ።

ምክትል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ሚካኤል ሪያን፡ ኣብ ልዕሊ ሓካይም እምነት ዘይምሕዳርን ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ መጥቃዕትን ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣሕዲሩ እዩ ኢሉ።

ዶክተር ሪያን ከምዝበሎ፡ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ሕክምና ሕማም ኢቦላን ሰራሕተኛታትን 119 መጥቃዕትታት ከም ዝበጽሐ ተመዝጊቡ'ሎ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና ብዙሕ ክታበታት የካይዱ ከም ዘለውን፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ 100,000 ሰባት ሕክምና ረኺቦም ከም ዘለውን ይግለጽ።

እንተኾነ ግን፤ ዕጡቓት ኣብ ዝርከብሉ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓካይም እምነት ዘይምህላዉ ነቲ ስራሕ ይሃስዮ ከምዘሎ ዶክተር ሪያን ተዛሪቡ።

"ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ በቲ ማሕበረሰብ ተቐባልነትን እምነትን ክንረክብ ጸገም ኮይኑና ኣሎ" ኢሉ።

ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብተመሳሳሊ፡ ብለበዳ ሕማም ንፍዮ'ውን ትጥቃዕ ዘላ ኮይና፤ 50,000 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም 1000 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

ሰራሕተኛታት ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ካብ 26 ክፍለ ሃገራት ኣብተን 14 ሕማም ንፍዮ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም እዮም። እዚ ድማ ንከተማታትን ገጠራትን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝሓውስ እዩ።

ሕማም ኢቦላ፡ ዛጊት ኣብ ክልተ ክፍለ ሃገራት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እዩ ዘሎ። እንተኾነ፡ ብምኽንያት ጎንጺ፡ ምግፋሕ እቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ፡ ሕማም ኢቦላ ብዓለም ለኸ ደረጃ ከይጋፋሕ ዘሎ ስግኣት ኣዝዩ ትሑት እዩ። ግን ድማ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምግፋሕ ተኽእሎ ኣሎ።