ኣብ ደገ ኮሮናቫይረስ ክሕዘና ይኽእል'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እቲ ሓደን ቀንድን ኣገባብ ምክልኻል ኮቪድ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ምድራት እዩ።
ስለዝኾነ ሃገራት ዓለም ብምኽሪ ሰብ ሞያ ዕጽዋ ኣዊጀን ለበዳ ኮቪድ ክገትኣ ይፍትና ኣለዋ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰባት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ጥራሕ ካብ ገዛ ንኽወጽኡ ይፍቀዶም፡ ንሱ እውን ኣፍካ ብማስኬራ ሸፊንካን ተጠንቂቕካን እዩ።
ኣብ ግዳምምንቅስቐስ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ ?
ተመራመርቲ ባይሮሎጂ፡ ኣብ ግዳም እውን መልከፍቲ ኮቪድ ከጋጥም ከም ዝኽእል ግን ድሩት ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ኣብ ግዳም ዝርከብ ጽሩይ ኣየር ነቲ ቫይረስ ይብትኖን ይጉሕፎን'ዩ ። ኣብ ርእሲኡ እውን እቲ ካብ ኣፍና ብምህንጣስ ዝምንጩ ነጠብጣብ ፈሳሲ ይሃፍፍ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ካብ ጸሓይ ብርሃን ዝርከብ ኣልትራቫዮለት ነቲ ኣብ ግዳም ዝወጽእ ቫይረስ ክቐትሎ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
ይኹን እምበር ዋላ እውን ብውሑድ ዓቐን እንተኾነ ኣብ ግዳም መልከፍቲ ኮቪድ የጋጥም እዩ።
ኣብ ቻይና ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ንኣብነት፡ ክልተ ፊት ንፊት ኮይኖም ን15 ደቒቕ ዘዕልሉ ሰባት ኮቪድ ከመሓላልፉ ከምዝከኣል ተራእዩ።
ማዕረ ክንደይ ምስቲ ሰብ ትቀራረብ እውን ኣገዳሲ እዩ?
በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዋላ እውን ምልክት እንተዘይብሎም ከስተንፍሱ እንከለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ክስዕሉን ክህንጥሱን እንከለዉ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉዎ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሕ ግዜ እቲ ብምህንጣስ ዝወጽእ ነጠብጣብ መብዛሕትኡ ኣብ ምድሪ'ዩ ዝወድቕ። ክሳብ ክልተ ሜትሮ ኣብ ዝርሕቀቱ ግን ገሊኡ ናብ አዒንትኻ፡ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ክዓልብ ይኽእል እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ኤሮሶልስ ዝበሃል ነጠብጣብ ከውጽእ ስለዝኽእል ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ከይተቐራረብካ ክትዘራረብ ይምከር።
ኣብ ውሽጢ ገዛ ግን እቲ ቫይረስ ኣብቲ ኣየር ክውህለል ስለዝኽእል ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኣብ ግዳም እቲ ነጠብጣብ ብንፋስን ጸሓይን ብቕልጡፍ ክብተን ተኽእሎ ኣሎ።
ምስ ሰባት ንኽንደይ ግዜ ብሓባር ክትጸንሕ ትኽእል?
ኣብ ፓርክ ይኹን ኣብ ጐደና፡ ምስ ሓደ ሓላፍ መገዲ ቀልጢፍካ ኢኻ ትመሓላለፍ። ስለዚ ኣብተን ሒደት ሰከንድታት እቲ ናይ ቫይረስ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ድሩት እዩ። ይኹን እምበር ኩሉ ሳዕ ጥንቁቕ ክትከውን ይግባእ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ክኢላ ረኽሲ ኣየር ፕሮፈሰር ካት ኖኬስ፡ ሓደ ብቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብ ጥቓኻ እንተሀንጢሱ እቲ ረኽሲ ንክሓልፈካ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ-ይብል።
ይኹን እምበር፡ "ኣብ ግዳም ኮቪድ ብቐሊሉ ኣይመሓላለፍን እዩ" ብምባል ንነዊሕ ሰዓታት ምስ መሓዙቶም ኣብ ደገ ዝጸንሑ ሓያሎ መንእሰያት ስለዘለው ክጥንቀቑ ተዘኻኽር።
ዋላ እውን ኣብ ግዳም ንሓደ ዕስራ ደቒቕ ዝኸውን ደድሕሪ ሰባት እንተጎይኻ ካብ ምስትንፋሶም ቫይረስ ክለግበካ ይኽእል እዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኮቪድ ካብቶም ብቐረባ እትፈልጦም ሰባት ዝሓልፈካ ምዃኑ እዩ።
ኣብ ግሉጽ ቦታ እውን ክትጥንቀቕዶ ይግባእ?
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ቅሉዕ ቦታታት ምምሕልላፍ ኮቪድ ድሩት እዩ።
ይኹን እምበር፡ ብዝሒ ሰባት ኣብ ዘለውሉን ኣብ ዕዳጋን ኣውቶቡሳትን ሓደገኛ ምዃኑ ምዝካር የድሊ።
ዋላ እውን ኣብ ግዳም ይኹን እኹል ኣየር እንተዘይሃልዩ መሸፈኒ ኣፍን ገጽን የድሊ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







