ኣብ ማያንማር፡ ሰልፈኛታት ንካልኣይ መዓልቲ ናብ ጎደናታት ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሰራዊት እታ ሃገር ምስ ተቖጻጸረ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ጎደናታት ኣብ ርእሰ ከተማ ማያንማር፡ ያንጎን ወጺኦም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።
ሚዮ ዊን ዝተባህለ ወዲ 37 ዓመት፡ "ዲሞክራሲ ክሳብ ዘይረኸብና፡ ገና ንቕድሚት ክንቕጽል ኢና" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
መንብዒ ትኪ ዝሓዛ መካይንን ወተሃደራትን ድማ ኣብ ጥቓ ዩኒቨርሲቲ ያንጎ ተራእዮም።
ትማሊ ግን እቲ ሰራዊት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዓጽዩ ኣሎ።
ሎሚ ሰንበት ንጎሆ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ማውላሚን ማንደላይን ኣብ ዝተባህላ ከተማታት ውስን ሰልፍታት ተቓውሞ ተራእዩ።
ምርጽቲ ሲቪል መራሒት፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺን ፕረዚደንት ዊን ሚያንትን ክሳብ ሕዚ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ከም እሱር እዮም ዘለዉ።
ዓለም ለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ምዕጻው ኢንተርኔት 'ዘይግቡእ' ክብል ዝተቓወመ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ማያንማር ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ኣጠንቂቑ።
እቲ ሰራዊት ግን ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ድሕሪ'ቲ ብሓደ ለካቲት 2021 ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ'ውን፡ ንሓጺር ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክዕጾ ገይሩ ነይሩ እዩ።
ግደ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብታ ሃገር
እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ፓርቲ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ስዒሩ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከጣይሽ ኣብ ዝሰናደአሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።
ብዙሓት ደቂ ማያንማር እቲ ሓቃዊ ሓበሬታ ኣብ ፌስ ቡክ ከም ዝንጸባረቕ እዮም ዝኣመኑ።
ፌስቡክ፡ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ሓበሬታን ዜናን ዝመሓላለፈሉ ዝዓበየ ምንጪ እዩ።
እንተኾነ ድሕሪ ሰለስተ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣቕረብቲ ኢንተርኔት ምርግጋዕ ንምፍጣር ብዝብል ነቲ ኣገልግሎት ክዓጽዉ ተኣዚዞም።
ነዚ ስዒቡ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራእዮም ነይሮም።
ሕዚ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ነቲ ኣገልግሎት ዳግማይ ከም ዝዓጸውዎ ተፈሊጡ።
ዛጊድ ካብቲ ሰራዊት ዕላዊ ምላሽ እንተዘይተውሃበ'ኳ፡ ኤኤፍፒ ኣብ ሓደ ዘይተጣለለ መንግስታዊ ሰነድ ክልቲኦም ማሕበራዊ መርበባት "ኣብ ህዝቢ ዘይምርድዳእ ይፈጥሩ ኣለዉ" ዝብል ሰፊሩ ከም ዝረእየ ገሊጹ።
ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተርን ፌስቡክን፡ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊሞም።
ብፍላይ ወሃቢ ቃል ትዊተር፡ እዚ ተግባር ሰባት ድምጾም ከየስምዑ ዝግበር ዓፈና እዩ ኢሉ። እቲ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ናብ ቦትኡ ክምለስ ድማ ሓቲቶም ኣለዉ።
ሓጺር ድሕረ ባይታ ማያንማር
ማያንማር 54 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኤስያ እያ ትርከብ።
ምስ ባንግላድሽ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ታይላንድን ድማ ትዳበው።
እታ በርማ ተባሂላ'ውን እትጽዋዕ ማያንማር፡ ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክሳብ ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ'ያ ነይራ።
ኣብ 2015፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ውድድር ዝተራእየሉ ምርጫ ምስ ተኻየደ ድማ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ብገፊሕ ተዓዊቱ፤ ንሳ ድማ ናብ ስልጣን ደይባ።
ውልቃዊ ናጽነታ ምእንቲ ደሞክራሲ ዝሰውአትን ኣንጻር'ቶም ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ጀነራላት እታ ሃገር ደው ዝበለት ሓርበኛ ተቓላሲት ተባሂላ'ያ ትግለጽ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብቶም ተኸተልቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ሰፊሕ ደገፍ ኣለዋ።
ብዓይኒ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣስላም እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ክብራ ተደዊኑ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







