ኣልጀርያ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ጀርመን ክሕከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልማጅድ ተባውን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ጀርመን ንኣስታት ክልተ ወርሒ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ መንግስታዊት ተሌቪዥን እታ ሃገር ኣቃሊሓ።
እቲ ፕረዚደንት ንመወዳእታ ግዜ 15 ጥቅምቲ ንሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ጅያን ይቨስ ለ ደረያን እናተቐበሎ'ዩ ኣብ ተለቪዥን ተራእዩ ነይሩ።
ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት ዓብደልማጅድ ተባውነ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ናብ ሓላፍነቱ ክምለስ ኣይክእልን እዩ ዝብል ወረ ክናፈስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ "ካብ ሃገርካ ተፈሊኻ ኩሉ ነገር ከቢድ'ዩ" ምባሉ'ውን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዓብደልማጅድ ተባውን ሓደ ካብ ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ብኮሮናቫይረስ ምስ ተለኸፈ፡ 24 ጥቅምቲ ነብሱ ክውሽብ ብሓካይሙ ተነጊርዎ።
ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ስለዝወረደ ግን ሕክምናዊ ረዲኤት ንኽግበረሉ 28 ጥቅምቲ ናብ ጀርመን ተወሲዱ።
ብዛዕባ ጥዕናን ሃለዋትን እቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ክብሃል ምስ ጀመረ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሕክምና ደቂሱ እንከሎ 13 ታሕሳስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቪድዩ መልእኽቲ ብምዝርጋሕ ኣብ ውሑዳት ሰሙን ናብ ሃገሩ ክምለስ ምኳኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዓብደልማጅድ ተባውን ሓደ ካብቶም እሙናት ናይ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ነበር ዓብደልዓዚዝ ቡቴፍሊቃ ኮይኑ ቅድሚ ዓመት'ዩ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኮይኑ ተመሪጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







