ዶናልድ ትራምፕ፡ መረጻ ኣመሪካ ምድንጋር ነይሩዎ ንዝብል ሓሳብ ዝተቓወመ ላዕለዋይ ሓላፊ መረጻ ካብ ሓላፍነቱ ከመዝሰጎጎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶናልድ ትራምፕ፡ መረጻ ኣመሪካ ምድንጋር ነይሩዎ ንዝብል ሓሳብ ዝተቓወመ ላዕለዋይ ሓላፊ መረጻ ካብ ሓላፍነቱ ከመዝሰጎጎ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ክሪስ ክረብስ ንዝተባህለ ሓላፊ ድሕነት ሳይበር (ሲ ኣይ ኤስ ኤ) ኣዋህባ ድምጺ ብዝምልከት ‘‘ትኽክል ዘይኮነ ሓሳብ ስለዝሃበ ተሰጒጉ’’ ኢሉ።
መረጻ ኣመሪካ ምድንጋር ነይሩዎ እዩ ዝብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ውጽኢት ኣይተቐበሎን።
ሰበስልጣን መረጻ ግን፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ‘‘እቲ ውሑስ’’ ዝበሃል መረጻ ከምዝተኻየደ እዮም ዝገልጹ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ተኣማኒ ኣይኮነን ንዝበሎ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ማርክ ኢስፐር፡ ካብ ሓላፍነቱ ሰጒጉ እዩ።
ስጉምቲ እቲ ፕረዚደንት በዚ ዘብቅዕ ኣይመስልን።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ንባዕሉ ካብ ቤተ-መንግስቲ ቅድሚ ምስንባቱ፡ ዳይሬክተር ሲኣይኤ ጊና ሃርፐርን ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ረይን እውን ከባርሮም ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣለዉ።
ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝተባረሩ ሰባት፡ ክሪስ ክረብስ እውን ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎገ ኣብ ገጽ ትዊተር ዶናልድ ትራምፕ እዩ ርእዩዎ፡።
እንተኾነ እቲ ፈጻሚ ስራሕ ማይክሮሶፍት ዝነበረ ክረብስ ብምብራሩ ዝጎሃየ ኣይመስልን፡።
ክሪስ ክረብስ ስለምንታይ ተሰጒጉ?
ክረብስ ነቲ ኣብ መረጻ 2016 ሩስያ ኢድ ኣእታውነት ነይሩዋ ዝብል ሓሳብ ስዒቡ ንመሰል ጉዳያት ክቆጻጸር ዝተጣየሰ ትካል ንኽልተ ዓመታት መሪሕዎ እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ ድማ ምድንጋር ተፈጺሙ ንዝብል ክስታት ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝተጋገየ ከምዝኾነ ስለዘቃለዐ፡ ትራምፕን ፈተውቱን ኣይተሓጎስሉን።
ክረብስ ቅድሚ ምብራሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነበራ ድምጺ መውሃቢ መሽናት ንጆ ባይደን ክቖጽራ ከምዝተገበረ ንዝገልጽ ክሲ ትራምፕ፡ መርትዖ ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
ንሱ ካብቶም እቲ 3 ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ፡ እቲ ውሑስ ዝበሃል ከምዝኾነ ብምግላጽ ምድንጋር ነይሩ ንዝብል ክሲ ዝነጸጉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ሓደ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







