ኬንየ ወስት ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክንደይ ድምጺ ረኺቡ

ኬንየ ወስት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ መጻኢ ፕረዚደንት ኣመሪካ መን ምዃኑ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ኬንየ ወስት ከምዘይከውን ግን ብሩህ እዩ።

እዚ ኣብዚ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተሳቲፉ ዝነበረን ወዲ 43 ዓመት ሙዚቀኛ (ራፐር) ካብ 160 ሚልዮን ድምጺ፡ 60,000 ጥራይ እዩ ረኺቡ።

እንተኾነ፡ ፖሎቲካዊ ሞይኡ ገና ኣይተወደኣን ዘሎ። ኣብ ትዊተር “ኬንየ 2024’’ ክብል ጽሒፉ።

ንሱ፡ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝገብሮ ፈተነ፡ ኣብ 12 ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ተወዳዲሩ።

ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበላ ክፍለ ሃገር ቴነሲ ክትከውን እንከላ፡ እታ ግዝኣት ንሰልፊ ሪፓብሊካን እያ እትድግፍ።

ወስት ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ፡ ኣብ ናቱ መድረኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዋካንዳ፡ ማለት ብዝተራቐቀ ቴክኖሎጂ ዝማዕረገት ፈጠራዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝሓዘ ሞደል ከምዝኸውንን፡ ነቲ ብፖሊስ ዝፍጸም ኣረሜናዊ ግፍዒ ኣብ ምውዳእ ከምዝስርሕን ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ናቱ ተሳታፍነት፡ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዙሕ ነቐፌታት እዩ ኣጋጢምዎ።

ንሱ፡ ነቲ ናቱ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣብ ከተማ ክላሪስቶን ብወግዒ ክኸፍቶ እንከሎ፡ ብዙሕ ዘስደምም ዘረባ ከምዝተዛረበን፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ሃረት ቱብማን ዝተባህለት ኣንጻር ጊላነት እትቃለስ ዝነበረት ጸላም ኣመሪካዊት “ነቶም በራዩ ነጻ ኣየውጽኣቶምን፡ ወሲዳ ምስ ካልኦት ጸዓዱ ከም ዝሰርሑ እያ ትገብሮም ነይራ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ መንጎ እቲ ዘረባ “ስድራ ቤተይ ገና ድቂ እንከሎኹ ክንጽሉኒ ደልዮም ነይሮም” ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ሓደ እዋን ንሱ ባዕሉ ንጓሉ ድቂ እንከላ ክንጽላ (ጥንሲ ምስዳድ) ከምዝፈተነ ሓቢሩ።

እቲ ራፐር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ከምዝነበሮ ሓቢሩ ነይሩ። ዓልቲ ቤቱ፡ ኪም ካርዳሽያን “ሓሓንሳብ ምስቲ ክብሎ ዝደሊ ዘይቃዶ ቃላት ስለዝዛረብ ድንጋጸን ሓልዮትን ክትህብዎ እላቦ” ክትብል ተዛሪባ።