ምዕባለታት ኵናት መንግስታት ፌደራልን ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PM
ትማሊ ምሸት (ሰሉስ) ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ፡ ንደቓይቕ ዝቐጸለ ድምጺ ተኹሲ ከምዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። እንተኾነ፡ መንቀሊ ናይ’ዚ ተኹሲን ዘብጸሖ ጉድኣትን ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ሎሚመዓልቲ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ተዓዚቡ እዩ።

ኣብ ነቲ ትማሊ ኣብ መቐለን ገለ ኸባብታትን ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ሰሜን እዝን ብዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪፁ እዩ።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ፣ ኩሎም ባንክታት’ውን ተዓፅዮም ኣለው። ቤት ፅሕፈት ኢትዮ ቴሌኮም ዝተዓጽወ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ደው ኢሎም ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥቕዓት ፈጺሙ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ “መንግስቲ፡ ህዝቢ ትግራይ ከይህሰ ብምሕላይ ኩናት ከይፍጠር ተዓጊሱ እዩ። ኩናት ግን ብድልየት ሓደ ወገን ጥራይ ክተርፍ ኣይክእልን” ድሕሪ ምባል፡ ምክልኻል ኢትዮጵያ “ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ፡ ሃገር ናይ ምድሓን ልኡኽቶ ከፈጽም ተኣዚዙ’ሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚመዓልቲ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዢን ቀሪቡ'ውን፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ከምዝተወሃቦ ኣፍሊጡ'ዩ።
"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ። ሰሜን እዝ'ውን ክሰርቕ ፈቲኑ እዩ" ብምባል ድማ ከሲሱ።
"እቲ ሰራዊት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዘሎ ነቲ ህዝቢ ንምሕላው እዩ። ህወሓት ግን፡ ከም ሓደ ባዕዳዊ ወራሪ ሪኡ ንምውቃዕን ንምውራርን ተልዒሉ" ኢሉ፡ ኣብ ከባብታት ዳንሻ'ውን 'ውግእ ከምዝተኸፈተ’ ሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
መንግስቲ ትግራይ ሎሚመዓልቲ ብክልላዊ ቴሌቪዥናት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "መንግስቲ ፌደራል ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወጻኢ ተሻሪኹ ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ይህብ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
ዝኸፍአ ኲናትን ዕንወትን ቅድሚ ምብጽሑ ከኣ ምስ ኣባላት ሰሜን እዝ ብሓባር ኮይኑ ክቃለስ ከምዝኾነ ኣፈሊጡ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ "ሰራዊት ሰሜን እዚ፡ ምስ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ ክሰርሕ ወሲኑ" ክብል ብምግላጽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ዝተኸልከሉ ዝብሃሉ መምርሒታት'ውን ኣሕሊፉ ኣሎ።
በዚ መሰረት
• ኣብ ውሽጢ ትግራይን፡ ናብ ትግራይን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዝተኸልከለ
• ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት በረራ ኣየር ከምዘይፍቀድ፡
• ነዚ ብምጥሓስ ብኣየር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ጉድኣት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ እንተጋጢሙ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምዝውሰድ
• ኣዘዝትን ኣባላት ሰራዊት ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይምጽኡ ግቡእ ክንክን ከምዝግበረሎም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዘይህሉ ዝብሉ እዮም።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ እንታይ ይመስል?
ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ፡ ትማሊ ተኹሲ ዝተሰምዓላ ከተማ መቐለ፡ ሕዚ ኣብ ህዱእ ኩነታት ከምዘላ ይገልጽ።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ እውን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ዝተልዓለ ኵናት ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪፁ።
ካብ ሎሚ ወጋሕታ ኣትሒዙ ድማ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ፣ ኩሎም ባንክታት ተዓፅዮም ኣለው።ቤት-ፅሕፈት ኢትዮ ቴሌኮም ዝተዓጽወ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ደው ኢሎም ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ምንቅስቃስ ካብን ናብን ከም ዘይፍቀድ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።ኣብ ከተማ መቐለ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ብእግሩ ክጉዓዝ ከምዝረእየ ሪፖርተር ቢቢሲ ትዕዝብቱ ገሊጹ።
በቲ ኩነታት ህዝቢ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግር ኢልዎ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ክልል ኣምሓራ እንታይ ይብል?
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 10፡30 (4፡30 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ፡ ኣብ መዓስከራት ሰሜናዊ እዚ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቁጣታት መዐደሊ ነዳዲን ዝተፈላለዩ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MAAM
ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ናይ ምክልኻል ኣዘዝቲ ከይንቀሳቐሱ ብምእዛዝ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ዕጥቁ ከውርድ ከምዝሓተቱዎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ ሶሮቃን ቅራቅርን ዝብሃል ቦታታት ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝነበረን ኣቶ ተመስገን ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ገና ብዝኾነ ገለልተኛ ኣካል ኣይተጻረየን። ኣቶ ተመስገን ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ ክልል’ውን መጥቃዕቲ ከምዘሎ፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ከበድቲ ብረት ናጻ ብምውጻእ ንውግእ ድሉው ገይሮሞ ከምዘለ’ውን እውን ጠቂሱ'ሎ።
ምስ ኮማንድ ፖስት ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ብውህደት ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ንዝመጽእ ትእዛዝ ተቀቢሎም ተግባራዊ ንኽገብሩ ድሉዋት ክኾኑ እውን እቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ጸዊዑ።
ኣቶ ተመስገን ኩሎም ተቃወምቲ ሰልፍታት ኣብ ጎኒ ፌዴራል መንግስቲ ደው ክብሉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት’ውን፡ መንግስቲ እቲ ክልል ናብ መሳርዖም ክምለሱ ጻዊዒት ከምዝቅረበሎም ኣቶ ተመስገን ሓቢሩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ወረራ ይፍጸሞ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ልዕሊ ትግራይ
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ 25 ጥቅምቲ 2013 ዓም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ዓንቀጽ 93/1/ሀ ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ክድንግግ ከም ዝተገደደ ኣፍሊጡ።
ነዚ ኣዋጅ ዝፍጽም ብኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ዝምራሕ ግበረ ሓይሊ ከም ዝተጣየሸን፡ ካልኦት ኣካላት ከም ዘሳትፉን'ውን ይገልጽ።እቲ ግብረ-ሓይሊ ተጸዋዕነቱ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይኸውን ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ንእዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ተደሪኹ ከም ዝወጽአ ዝገልጽ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው እዩ ኢሉ።
መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትርን ክልቲኦም ኣብያተ ምኽርን ካብ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ንደሓር ከም ህልው ኣይቆጽሮን ምባሉ ይፍለጥ።
በቶም ኣብያተ ምኽሪ ኾነ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመሓላለፍ ዝኾነ ይኹን ውሳነታት ድማ፡ በቲ ክልላዊ መንግስቲ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ'ዩ።
ክልቲኦም መንግስታት፡ ድሕሪ 25 መስከረም ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ዝተኸላልኡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፡ ብስሩዕ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ምፍጻም ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ምብጽሑ ድማ መግለጺ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሓቢሩ።
ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝውሰድ ዘሎ ግብረ መልሲታት ብቅጽበት ክሃድእ ጸዊዑ።
እቲ እምባሲ ብናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ኩሎም ንድሕነትን ውሕስናን ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ከም ዝግናባ ኣትሪሩ ተላብዩ።

ምንጪ ስእሊ, US EMBASSY/TWITTER
ብተመሳሳሊ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን ብፍላይ ንጹሃን ዜጋታት ከይጉድኡን ተማሒጺኑ።እቲ ኤምባሲ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ከባብታት ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ከይጉዓዙ ኣጊዱ ኣሎ።
ቅድም ክብል፡ ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣፈላላይ ብዘተ ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም፡ ናብ ኲናት ክኣትው ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንክፍታሕ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክካየድ ከተሓሳስቡ ቀንዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







