ንሕልፈት ዝተፈርደ ዴንማርካዊ ቀታሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድም ተታሒዙ

ፒተር ማድሰን ካብቲ ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ብዙሕ ከይከደ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, RITZAU SCANPIX/NILS MEILVANG

መግለጺ ስእሊ, ፒተር ማድሰን ካብቲ ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ብዙሕ ከይከደ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብቕትለት ጋዜጠኛ ንሕልፈት ዝተኣስረ ዴንማርካዊ ባሕረኛ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃደም ኣብ ዝፈተነሉ ተታሒዙ።

ፒተር ማድሰን ካብቲ ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ብዙሕ ከይከደ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣብ 2017፡ ሓንቲ ኪም ዎል ዝተባህለት ጋዜጠኛ፡ ቃለመሕትት ከተግብሮ ናብታ ባዕሉ ዝሰርሓ ናይ ብሕቱ ውስጠ-ማያዊት (ሳብማሪን) ድሕሪ ምኻዳ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝቐተላ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ ንሕልፈት ተፈሪዱ።

ሬሳ ናይታ ጋዜጠኛ፡ መታቲሩ፡ ናብ ባሕሪ ምስ ደርበዮ፡ ድሕሪ 11 መዓልቲ ብሓላፊ መገዲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረኺቡ።

እቲ ካብ ማእሰርቲ ዝወጸ ማድሰን፡ ኣብቲ ዝተታሕዘሉ ቦታ ኣባላት ፖሊስ ተኸቢቡ ዘርኢ ቢድዮ ብማዕከናት ዜና ዴንማርክ ተዘርጊሑ ይርከብ።

ፈለማ ቦምባ ከምዘለዎ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ከፈራርሖም'ኳ እንተፈተነ፡ ኣብ መወዳእታ ማሪኾም ካብቲ ቦታ ከም ዝወሰድዎ እተን ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ኣብቲ ቦታ ኪኢላታት ምዕናዉ ቦምባ መጺኦም ምንባሮም'ውን ተፈሊጡ።

ጋዜጠኛ ኪም ዎል

ምንጪ ስእሊ, TOM WALL

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ኪም ዎል

ፈለማ ነቲ ቕትለት ከይሓሰቦ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ'ኳ እንተ ተኸራኸረ፡ ጸኒሑ ግን ብሞታ ተሓታቲ ምዃኑ ክእመን ተገዲዱ'ዩ።

እታ ብውልቃ እትሰርሕ ጋዜጠኛ ብዛዕባ'ታ ባዕሉ ዝሰርሓ 'ሳብማሪን' ድሕሪ ምጽሓፍ፡ ምስ መጻምድታ ናብ ቻይና ክትከይድ መደብ ነይሩዋ። ከይተመልሰት ግን ብኡ ኣቢላ ንዘልኣለም ጠፊኣ።

እቲ ንሕልፈት ዝተፈርደ ማድሰን፡ ብውሕዱ 17 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክጽንሕ ምዃኑ ይፍለጥ።