ፓራጓይ፡ 75 እሱራት ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም

ምንጪ ስእሊ, PARAGUAY'S ABC COLOR
ምስ ብራዚል ኣብ ዝዳወብ ምብራቓዊ ክፋል ፓራጓይ ካብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣስታት 75 ዝዀኑ እሱራት ከምዝሃደሙ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እቶም እሱራት በቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሓለውቲ ነጻ ከምዝወጽኡ ይግለጽ።
ኣብ ቐጽሪ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ዝሃደሙሉ ጌለርያ ከምዝተረኸበን፡ እንተኾነ ንሱ ከም መሸፈኒ ናይቲ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ዝበዝሑ እቶም እሱራት ካብ ብራዚል ኮይኖም፡ ኣብ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ገበን ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ኣባላት ናይዚ ጉጅለ ገበን፡ ኣስታት 30 ሽሕ ኮይኖም፡ ኣብ ምሻጥ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስን ብረትን ዝተዋፈሩ፡ ካብ ብራዚል ተበጊሶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፓራጓይ፤ ቦሊቨያ ከምኡ'ውን ኣብ ኮሎምብያ ከምዝሰርሑ ይንገር።
ሰበስልጣን ነቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ፈተሽዎ፡ ብዘይካ ሑጻ ዝሓዘ ክሻ ወላ ሓደ ሰብ ኣይረኸቡን።

ምንጪ ስእሊ, PARAGUAY'S ABC COLOR
እንተኾነ፡ ሓደ እሱር በቲ ገለርያ ክሃድም ከምዝተታሕዘን፡ ኣብቲ ስርሒት ሓለውቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተሳተፉን ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዕረፍቲ እንከሎ፡ እቶም እሱራት በብቑሩብ ከወጽኡ ከምዝተገብሩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ድማ፡ ኩሎም ኣብ ሓለዋ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ክእሰሩን ካብ ስርሖም ክባረሩን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እቶም ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ሰባት 80 ሽሕ ዶላር ከምዝተዋህቡ ጭብጥታት ከምዘለዎምን ካብቶም ዝሃደሙ እሱራት ገሊኦም ንብራዚል ኣትዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ።
ኣብ መንጎ ብራዚልን ፓራጓይን ዝርከብ ዞባ፡ ዕጸ ፋርስ ዝንቀሳቐሰሉ መስመር ከምዝዀነ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







