መሓዩር ኡጋንዳ፡ ልዕሊ 200 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ጠፊኦም

ምንጪ ስእሊ, Google
ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኡጋንዳ ካብ ዝርከብ ማሕዩር ልዕሊ 200 እሱራት ከም ዝሃደሙ ሓለፍቲ ገሊጾም።
እቶም እሱራት ካራሞጃ ናብ ዝርከብ ጎቦ ሞሮቶ ሃዲሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ቅድሚ ናብቲ ቦታ ምኻዶም ንሓደ ወተሃደር ከም ዝቐተሉ ተሓቢሩ።
ኣመሓደርቲ እቲ ቤት ማእሰርትን ወተሃደራትን ነቶም 15 ብረትን ዓረር ጥይትን ሒዞም ዝጠፍኡ ሕዩራት ይደልዩዎም ከም ዘለው'ውን ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ከተማ ሞሮቶ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘየለ ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኡጋንዳ ክሳብ ሕጂ ክልተ እሱራት ከም ዝተትሓዙን ካልኦት ክልተ ከም ዝሞቱን ተዛሪቡ።
ከም ጸብጻብ ኣሶሽየትድ ፕረስ እንተኾይኑ ድማ፡ እቶም እሱራት ቢጫ ዩኒፎርም ቤት ማእሰርቲ ተኸዲኖም እንተወጽኡ'ውን ፈለጎም ንከይርከብ ግን ጥራይ ነብሶም ናብቲ ጎቦ ሃዲሞም ኣለው።
ሞሮቶ ዝዓበየት ከተማ ካራሞጃ ኮይና ስርቂ ጥሪትን ጎነጻት ብረትን ዝበዝሖ ከባቢ'ዩ።
መንግስቲ ካብ 2000 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ዕጥቂ ከፍትሕ እኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘጋጥም ጎንጺ ግን ክሳብ ሕጂ ቀጺሉ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







