ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን ካበይ ናበይ?

ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean government

ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ ሎሚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ'ሎ።

እቲ ኣብ ወግዓዊ ምፍራም ስምምዕ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምስታፉ ዝመጽአ ፋርማጆ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ንሳልሳይ ግዚኡ'ዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ዝምድና ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን፡ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጸመ፡ ናይ 20 ዓመታት ኩነተ-ኲናት ዘብቅዐ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ዝተኸሰተ'ዩ።

ምብጽጻሕ መራሕቲ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ?

ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ዕለት፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘጋጠመ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ሓደ፡ ፋርማጆ ሃንደበት ኣብ ኣስመራ ምዕላቡ'ዩ።

እቲ ሓድሽ ምዕባለ ቀልጢፉ ናብ ስሉሳዊ ርክባት ዓብዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተሓወሶ ስምምዕ ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ፈላሚ ኣኼባ ተኻይዱ።

እቲ ብ5 መስከረም 2018 ሰለስቲአም መራሕቲ ዝኸተምዎ "ሓበራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ"፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።

  • ረብሓ ህዝብታተን ብዘውሕስን ዘረጋግጽን መንገዲ ድልዱል ዝምድና ክፈጥራ፡
  • ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክብ ዝበለ ምትሕግጋዝን ጥምረትን ክሃንጻ፡
  • ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ብሓባር ክሰርሓ፡ ከምኡ'ውን ንትግባረ ናይ'ቲ ነጥብታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚተ ክምስርታ ዝብል ኣርባዕተ ዓንድታት ተሰማሚዖም ከምዝነሩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሓን ነይረን።
ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Ministry of Information

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ድማ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ "ገስጋስ" ኣቐዲሞም ዝበጽሕዎም ስምምዓት ተዘራሪቦም ነይሮም።

መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ዳግማይ ስሉሳዊ ርክብ'ውን "ናይ 2020 ኲኖኡን ዝኸይድ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ውጥን" ከምዘውጽኡ ገሊጾም ነይሮም።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተባህለ "ገስጋስ" ይኹን "ውጥን"፡ ካብ ተኸታተልቲ ርክባት ዝሓለፈ ኣይኮነን ይብሉ ብዙሓት ተንቲንቲ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ብዛዕባ ዞባዊ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ብመንገዲ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣይተሳተፈን።

እቲ ፍጻመ፡ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ውድብ ዘለዋ ዕቃበታት ዘቃልዐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስታ ንኢጋድ እትመርሕ ዘላ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዞባዊ ፖሊሲ ዘለዋ ፍልልይ ዘነጸረ'ዩ።

ስትራተጂካዊ ፍልልያት ኤርትራን ሶማልያን

ኤርትራ ኣብ 1993 ናጽነታ ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣይተቓደወትን።

ፈለማ ምስ ግብረሽበራ ብዝተኣሳሰር ምስ ሱዳን ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ 1994 በቲኻ፡ ድሒራ'ውን ኣብ ውግእ ኣትያ ነይራ።

ድሕሪ ዓመት'ውን፡ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ሓኒሽ ምስ የመን ኲናት ኣካይዳ፡ ብዓለምለኻዊ ዳንነት ድማ እተን ደሴታት ንየመን ተዋሂበን። ምስ የመን ድሒሩ ዝቐጸለ ርክብ'ውን ልሙጽ ኣይነበረን።

ከምቲ ዝፍለጥ፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ናብ ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ኣምሪሓ።

ሕጂ'ውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ኣይረኸበን- ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ንብዪን ኮሚሽን ዶብ በዘይቅድመ ኩነት ከም ዝተቐበለቶ እንተገለጸት፡ ንባድመ ጎቢጣ ሒዛቶ ትርከብ።

ምስ ጂቡቲ'ውን ከምኡ ኣብ 2009 ክሳብ ግጭት ናብ ዝዓረገ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣትያ።

በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፡ ፈለማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን የመንን ብ'ሰንዓ ፎረም' ዝፍለጥ መድረኽ ብምፍጣር ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ንዝቃወሙ ወገናት ክድግፋ ጀሚረን። ኤርትራ'ውን፡ ንተቓወምቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትድግፍ ጸኒሓ'ያ።

ድሒሩ ድማ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ዓሲለን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳታት ክግበር ጸዊዐን፡ ሰሊጥወን ድማ።

ክሳብ እቲ እገዳ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝለዓል፡ ኤርትራ ንጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምድጋፍን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘይምርግጋእ ብምፍጣርን'ያ ትኽሰስ ነይራ።

ኣብ ታሕሳስ 2009 ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንእስላማዉያን ዕጡቓት ኣብ ሶማል ትተሓጋገዝ ኢያ ብዝብል ክሲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩ።

ዋላ'ኳ ነቲ ጉዳይ ከተጻሪ ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ፡ ጭብጢ ከም ዘይረኸበት ብተደጋጋሚ ንኣርባዕተ ዓመታት እንተገለጸት፡ እቲ እገዳ ከይተላዕለ ቀጺሉ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንኹሉ እቲ ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

መራሕቲ ሶማልያ (ጸጋም) ኤርትራ (ማእከል)ን ኢትዮጵያን (የማን) ኣብ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ፈለማ ኣብ መቓድሾ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ወታሃደራታ ብምውፋር ዝደገፈት ኮይና፡ ኣብ 2006 ሰፊሕ በይናዊ ወታሃደራዊ ምትእትታው ኣካይዳ ምንባራ ይፍለጥ።

ቅድሚ እዚ ድማ፡ ኤርትራ ብወገና ሓድነት ናይታ ብኲናት ሓድሕድ ዝፈረሰትን ዝተመቓቐለትን ሶማልያ ንምርግጋጽ፡ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሶማልያ ብምድጋፍ ጻዕርታት'ኳ ኣካይዳ እንተነበረት ኣይሰለጣን።

ብፍላይ ንገለ መራሕቲ ናይቲ ኣብ መቓድሾ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ 'ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዝነበረ ጉጅለ ምዕቋባ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣእትዩዋ ምንባሩ ተንተንቲ ይገልጹ።

ብፍላይ ምትእትታው ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር፡ መቐጸልታ ናይቲ ዝነበረን ዶባዊ ምትፍናንን እዩ ብምባል "ዘይቀጥታዊ ኲናት" (ፕሮክሲ ዎር) የካይዳ ኣለዋ ተባሂለን ይግለጻ ነይረን'የን።

ኣብ መንጎ ሶማልያን ኤርትራን ዘሎ ኲኖ ክልተኣዊ ዞባዊ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ምትእስሳራትን ዝሰግር ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ብቐንዱ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ማእላይ ምብራቕ ብፍላይ፡ ወሽመጥ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥርን ምትፍናን ዝተጠናነገ ምዃኑ'ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዘለዎ ዝምድናታት ምስ ህልው ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ ዝራጸም'ዩ። ሶማልያ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምስ ቱርኪን ቐጠርን ዘለዋ ዝምድና ጥቡቕ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ኤርትራ ንቱርኪን ቐጠርን ኣንጻራ ይሰርሓ ከምዘለዋ ክትጥቅነን'ያ ትስማዕ።

ብፍላይ ድሕሪ ኲናት የመን ምውልዑ፡ ኤርትራ ንቐጠር ሕቖኣ ብምሃብ፡ ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክትጠብቕ ተራእያ።

ገለ ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እዚ ብቐሊሉ ዘይተዓረቕ ፍልልያት ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ብደረጃ ኤምባሲን ኣምባሳደራትን ክዓቢ ዘይክኣለ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ዝግበር ምብጽሓት ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ። እዚ ናይ ሕጂ ርክብ ዝወልዶ ሓድሽ ነገር እንተልዩ ድማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕን ዓመትን ክግሃድ ምዃኑ ዘይተርፍ'ዩ።

ታሪኻዊ ርክብ ኤርትራን ሶማልያን

ከም ሃገራት ኤርትራን ሶማልያን ተመሳሳሊ ኣመሰራረታ ዘለወን ኮይነን፡ ብቐንዱ ዘራኸበን ናይ ሓባር ተመክሮ ብመግዛእቲ ኢጣልያ ዝሓለፋ ምዃነን'ዩ።

እተን ንሶማልያ ዝረገጻ መግዛእታዊ ኣእጋር ብሪጣንያ'ውን እንተኾና፡ ደሓርሲ "ብሞጒዚትነት" ኣብ ኤርትራ ዓሊበን'የን።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኢጣልያውያን ጠቕሊሎም ምስ ወጽኡለን ከኣ 'ክንዲ ዓለምና ኣኺልና ኢና፡ ሓዳርና ክንወጽእ' ኣብ ዝበላሉ፡ ሶማልያ ቆጽሊ ተነቢሩላ፡ ኤርትራ ግን ዓቕሚ ኣዳመ-ሂዋን ኣይበጻሕክን ተባሂላ።

በጺ ዘንጸርጸረት ኤርትራ ሓርነታዊ ሰውራ ኣዊጃ፡ ጉዕዞ 30 ዓመት ሓደ ኢላ ምስ ጀመረቶ፡ ጸግዒ ዝኾና ከተናዲ ግድን ኮና።

እታ ድሒራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ኲናት ዝኣተወት ሶማልያ፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል፡ መዕቆቢትን መተሓላለፊትን ተጋደልቲ ሰውራ ኤርትራ ኮይና ቀጺላ።

ብፍላይ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ፡ ከም "ዜጋታት" ሶማልያ፡ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ተዋሂብዎም ብዘይ ጸገም ናብ ዝደለይዎ ክንቀሳቐሱ ደጊፋ።

ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Ministry of Information

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ፡ "ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ነቲ ኣብ 1983 ዝተወሃበኒ ናይ ሶማል ዜግነት ኣብ ምሕዳስ ክተሓጋገዘኒ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናሪታ ቶክዮ ሓቲተዮ" ክብል ምጽሓፉ መርኣያ ናይቲ ዝተገብረሎም ምትሕብባር'ዩ ነይሩ።

ብረት ኣብ ክንዲ ሰውራ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ምዕዳግ'ውን ከምዝተሓጋገዘት ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይዛረቡ።

ኣብ ዝኾነ መጋባእያ ዓለም ድማ፡ ሶማላውያን: ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ከምዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ የካይዱ ነይሮም።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ግን ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ሓርነታ ኣብ ዝተጓናጸፈትሉ፡ ድሮ ሶማልያ ኣብ መወዳእታ ኣልቦ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ስለዝነበረት፡ ከም መሓዙት ሃገራት ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ዕድል ኣይረኸባን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ዋላ'ኳ ሕጂ'ውን ተመቓቒላ እንተላ፡ ተዛማዲ ሰላም ምርካባ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣፍደገታት ክኽፈት ተዛማዲ ዕድል ተረኺቡ'ሎ።