ኮቪድ-19፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብዓለም ደረጃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ ተመራመርቲ ሓቢሮም። ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም'ውን ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ፍርቂ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ካብ ኣመሪካ፣ ብራዚል ከምኡ'ውን ካብ ህንዲ እዮም።
እንተኾነ ግን፡ ሓቀኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብዚ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ነቲ ኣሃዝ "ሓንጎልካ ዘደንዝዝን፡ ዘሕዝን ምዕራፍን" ክብል ገሊጽዎ።
ንሱ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ከም ሰባት ዕላማና ክንዝንግዕ የብልናን" ክብል ተዛሪቡ።
ካብ ግዝኣት ቻይና ሁበይ ተበጊሱ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ዘጥቅዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ወርሒ'ዩ ሓደ ሚልዮን ሰባት ቐዚፉ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን እቲ ለበዳ ኣብ 188 ሃገራት ተዘርጊሑ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 32 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ነቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምትታት ዕጽዋ ድማ፡ ንቁጠባ ዓለም ኣብ ደልሃመደት ክኣቱ ገይሩዎ'ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፡ ክሳብ ክታበት ዝርከብ ከባቢ ክልተ ሚልዮን ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።
ኣመሪካ፡ እታ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ኮይና፡ ከባቢ 205,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
ኣብ ብራዚል 141,700 ከምኡ'ውን ኣብ ህንዲ ኣስታት 95,500 በቲ ቫይረስ ተቐዚፎም።
ዝያዳ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት
ኣሜሪካ፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን መልከፍቲ ብምምዝጋብ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር’ያ። ኣብታ ሃገር ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝረአ ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ብምዝማድ መጠን ሓዲሽ መልከፍቲ ይጎድል ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ህንዲ መጠን መልከፍቲ 6 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ህንዲ ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።
ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዘላ ብራዚል ኮይና፡ ኣብታ ሃገር 4.7 ሚልዮን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ’ሎ።
ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምንታይረ ደረጃ ይርከብ?
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 240 ክታበት ኮሮናቫይረስ ክኾኑ ተኽእሎ ዘለዎም መድሃኒታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ። ካብዚኦም 40 ክታበታት ኣብ ክሊኒካዊ መርመራ ዝርከቡ ኮይኖም፡ 9 ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ፈተነ እዮም ዘለዉ።
መብዛሕትኡ ግዜ መፍረ ክታበት ብዙሕ ዓመት ይወስድ። ኣብዚ እዋን ግን ብዙሓት ክኢላታት ብሓንሳብ ብምስራሕ ኣብ ሓጺር ግዜ መድሃኒት ክረኽቡ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲትን ኣስተራዘነካን ዝስራሕ ዘሎ መድሃኒት ኣብ መወዳእታ ፈተነ ዝበጽሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰባት ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ መድሃኒት ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ፈተነታት ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝርኣየ፡ ምሉእ ዓለም ብኣንክሮ ዝከታተሎ ዘሎን ተስፋ ዝተነበረሉን እዩ።
ሩስያን ቻይናን ብወገነን ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺበን ከምዘለዋ ገሊጸን'የን። እንተኾነ፡ መስርሕ እቲ መድሃኒት ደረጅኡ ዘይሓለወን ናይ ታህዋኽ ከይኸውንን ስክፍታታት ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትረክብ ምዃና ገሊጹ'ሎ።
እንተኾነ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጽቡቕ ምዕባለ ወላ ይሃሉ፡ ቅድሚ መፋርቕ 2021 ብሰፊሑ ክርከብ ዝኽእል ክታበት ኮነ መዳሃኒት ከምዘይህሉ ሰብሞያ ይገልጹ፡፡









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







