ትራምፕ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ድልው ከምዝኸውን ገሊጹ

ፕረዚደንት አመሪከሰ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ድልው ክኽውን ከምዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ብደረጃ ዓለም ኣስታታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓወዩን፡ ካልኦት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ተለኺፎም ከምዘለውን ተገሊጹ። ኣብ ጉዳይ እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ናይጀርያ ካብ ዕጽዋ ክትወጽእ ጀሚራ

    መሸፈኒ ዝገበሩ ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ነበርቲ ከተማ ኣቡጃ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ናይጀርያ ነቲ ኣዊጃቶ ዝጸንሐት ናይ ዕጽዋን፡ እገዳታት ምንቅስቓስን ከተዝልቖ ጀሚራ።

    ኣብ ናይጀርያ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ኣቡጃን፡ ቀንዲ ንግዳዊት ከተማ ሌጎስን፡ ገለ ትካላት ንግዲ ክኽፈታ ጀሚረን።

    እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ንምብርባር ዝተወስደ’ዩ።

    ይኹን ‘ምበር፡ ሓደ ቀንዲ ማሕበር ሓካይም’ታ ሃገር፡ እቲ ስጉምቲ “ግዚኡ ዘይሓለወ’ዩ” ክብል ነቒፉ።

    ኣብታ ብጻዕቂ መካይን እትፍለጥ ከተማ ሌጎስ፡ ብዝሒ መካይን ዘይምርኣየን፡ ነበርታ ገና ከም ዘይተኣማመኑ ዘርኢ’ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

    እታ ሃገር ቅድሚ 5 ሰሙን’ያ ዕጽዋ ኣዊጃ።

    ሚሊዮናት ዜጋታት ናይጀርያ፡ መነባብሮኦም ካብ-ኢድ-ናብ-ኣፍ ምዃኑ ይፍለጥ።

  2. ክታበት ንምርክብ ልዕሊ 80 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ

    ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ክትባት ኮቪድ-19 ንምርካብ 10 ዕጽፊ ናይቲ ክዋጻእ ዝበሃል ዘሎ 8.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ተዛሪቡ።

    ካልኦት ሃገራት’ውን፡ ነቲ ዓለማዊ ተበግሶ ብምጽንባር፡ ዝካኣለን ከወፍያ ጸዊዑ።

    እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተጀመረ ተበግሶ፡ ንኮሮናቫይረስ ንምምካት፡ ክታበት ንምርካብ መጽናዕቲ ክግበርን፡ ክታበት ምስ ተረኽበ ድማ ንምክፍፋልን ዝዓለመ ማዕከን’ዩ።

    በቲ ድሮ ተኣትዮ ዘሎ መብጽዓ፡ ናይ መጀመርታ $8.2 ዶላር ክዋጻእ ትጽቢት ይግበር።

    ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ መራሕቲ ዓለም እኹል ኣይገበሩን ብምባል ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  3. መራሕቲ ኤውሮጳ ንክታበት ኮቪድ-19 ዝኸውን 8.3 ቢልዮን ዶላር ከዋጽኡ ቃል ኣትዮም

    ተመራመርቲ ኣብ ላቦራቶሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ንክታበት ኮሮናቫይረስ ዝኸውን ኣስታት 8.3 ቢልዮን ዶላር ከዋጽኡ ከምዝተማባጽዑ ገሊጾም።

    እዚ ናይ መራሕቲ ኣውሮጳ ተበግሶ ብፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡሩስላ ቮን ደር ለየን እዩ ተጀሚሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ’ውን ብወገኑ፡ “ነዚ ኣብ ዘመነ ህይወትና መጺኡ ዘሎ ለበዳ ንምብዳህ፡ ካልኦት ሃገራት’ውን ሓቢረን ክሰርሓ ከምዝደፋፍአን” ተዛሪቡ።

    ቦሪስ ጆንሶን፡ ንባዓሉ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ኣብ ሆስፒታል ንሰለስተ መዓልቲ ዝደቀሰ ኮይኑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንክታበት፡ መርመራ ከምኡ’ውን ንሕክምና ዝውዕል 388 ሚልዮን ፓውንድ ከምእትልግስ ክሕብር ትጽቢት ይግበረሉ።

    ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፤ ካናዳ፤ ፈረንሳ፤ ጀርመን፤ ኢጣልያ፤ ጃፓን፤ ኖርወይን ስዑዲ ዓረብን ክሳተፋ እየን።

    ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክታበት ምስተረኽበ ጥራይ እዩ ንቡር ሂወት ክምለስ ዝኽእል።

    እቶም መራሕቲ ኣብቲ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፡ እቲ ገንዘባዊ ወፈያ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ፤ ተቆጻጸርቲ፤ ኢንዳስትሪ፡ ሓካይም፤ መንግስታት ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ትካላት ብቕልጡፍ ዓለማዊ ምትሕብባር ክጅምር ዘኽእል ምዃኑ ገሊጾም።

  4. ፈረንሳ 'ፖሊስ ተመሲሎም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ' ሰባት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

    ፖሊስ ፈረንሳ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ፈረንሳ ካብ 17 መጋቢት ጀሚራ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰባት ንስራሕ፡ ድኳን፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ጥራይ ካብ ገዛ ክወጹ ክተፍቅድ ጸኒሓ።

    ኣብ ዝወጹሉ እዋን ድማ፡ ዝንቀሳቐሱሉ ምኽንያት ዝሕብር ወረቐት ፍቓድ ከርእዩ ይግደዱ።

    ሓንቲ ሰበይትን ሰለስተ ሰብኡትን ግና ናይ ፖሊስ ልብሲ ብምልባስ፡ ፖሊስ ተመሲሎም ሰባት ከታልሉ ብምጽንሖም ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።

    እቶም ሸፈጠኛታት፡ ናይ ፖሊስ ልባስን መሸፈኒ ገጽ ማስክን ብምልባስ ናብ ሰባት ቀሪቦም መንቀሳቐሲ ፍቓድ እንተለዎም ድሕሪ ምሕታት፡ ቦርሳታቶም ብምፍታሽ ዝረኸብዎ ገንዘብን ካልእ ነገራትን ክወስዱ ምጽንሖም እቲ ክሲ ይገልጽ።

    ኢራናውያን ምዃኖም ዝተገለጸ እቶም ጥርጡራት፡ ቋንቋ ፈረንሳ ብግቡእ ዘይዛረቡ ኮይኖም ንወጻእተኛታት ዕላማ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ፖሊስ ገሊጹ።

    ክሳብ 27,000 ዶላር ከም ዝዘመቱ’ውን ይግመት።

  5. ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 140 በጺሑ

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ናይ ላቦራቶሪ መርመራ ካብ ዝተገብረሎም 1,758 ሰባት: 5 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ እቶም 4 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለው እቲ ሓደ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ሽወደናዊ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

    ብዘይካዚ ኣርባዕቲኦም ካብ ወጻኢ ሃገራት [3 ካብ ፑንትላንድ፡ 1 ካብ ሽወደን] ዝተመለሱ ኣብ መወሸቢ ዝጸንሑ እዮም። እቲ ሓደ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ዘይገሸ’ኳ እንተኾነ በቲ ሕማም ከም ዝተትሓዘ ምስ ዝተረጋገጸ ሰብ ርክብ ዝጸንሖን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የረጽር።

    እቲ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ብኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ማእከል መርመራ ጥዕና እንስሳታት፡ ኢንስቲትዩት ኣርማውን ሃንሰን፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣምሓራ፡ ኢንስቲትዩት መርመራ ጥዕና ትግራይ፡ ላቦራቶሪ ዩኒቨርስቲ ሃረማያን ላቦራቶሪ ዩኒቨርስቲ ጅግጅጋን ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ጠቕላላ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 140 ክኸውን ከሎ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

  6. ዕጽዋ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ይዘልቕ ኣሎ

    ኣብ ጥልያን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናብ ስርሖም ክምለሱ ትጽቢት ይግበር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ናብ ዝቕጽል መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ለበዳ ዝሰግራ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ሎሚ ሰኑይ ጀሚረን እገዳታት ምንቅስቓስን ዕጽዋን የዝልቓ ኣለዋ።

    • ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ሳምንታት ምርጋጥ፡ ጥልያን ገለገል ቀይድታት ተዝልቕ ኣላ። ሰባት ንምቕርቦም ክበጽሑ፡ ኣብያተ መግብን መስተን ዓዲጎም ንዝኸዱ ዓማዊል ኣገልግሎት ክህቡ ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ህዝባዊ መጉዓዝያን ቦታ ስራሕን መሸፈኒ ገጽ ምልባስ ናይ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ከባቢ 4 ሚልዮን ሰባት ናብ ስራሕ ከምለሱ ትጽቢት ይግበር።
    • ኣብ ስጳኛ ከም መቐምቀሚ ጸጉሪ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ዋኒናት፡ ወላ’ኳ ኣቐዲሞም ቆጸራ ንዝሓዙ ዓማዊል ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ እንተለው፡ ኣፍደገታቶም ከርሕው ጀሚሮም ኣለው።
    • ጀርመን፡ መካነ እንስሳታት፡ ኣብያተ መዘክር፡ ማእከላት ስነ ጽባቐ፡ ደጊሞም ይኽፈቱ ኣለው። ገለ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ተማሃሮአን ይምለሱ ኣለው።
    • ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተናታት ዝወስዱ ተማሃሮ ኣውስትራልያ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ከለው፡ ኣብ ሃንጋሪ’ውን ተፈቲኖም ኣለው።
    • ፖላንድ፡ ሆቴላት፡ ኣብያተ ንባብ፡ ኣብያተ መዘከርን ድኳናትን ደጊሞም ስራሕ ክጅምሩ ክተፍቅድ ከላ፡ መቐምቀሚ ጸጉሪ፡ ኣብያተ መግቢ፡ ናይ ህጻናት መጻወቲ ስፍራታት ተዓጽዮም ክጸንሑ እዮም።
  7. ቻይና ንዋት ሕክምና እናዓደገት ንዕብየት እቲ ለበዳ ኣነኣኢሳ ትገልጽ ምንባራ ልሒኹ ዝወጸ ጸብጻብ ይገልጽ

    መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ቻይና “ደይመደይ ኢላ” ንክብደት እቲ ለበዳ ከም ዝኸወለቶ፡ ካብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ዝሞለቐ ጸብጻብ ከም ዝሕብር፡ ማእከን ዜና ኤፒ ኣፍሊጡ።

    ምምሕዳር ትራምፕ ብተደጋጋሚ ንቻይና ክኸስስ ዝጸንሐ ኮይኑ ፕረዚደንት ትራምፕን ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮን ብቐጥታ ንበይጂን ኮኒኖም እዮም።

    ቻይና ንኽብደት እቲ ለበዳ እናኣናኣኣሰት፡ ተወሳኺ ናይ ሕክምና ንዋት ክተእትው ከላ ነቲ ንወጻኢ እትሰዶ ከም ዘጉደለት እቲ ጸብጻብ ናይ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ይገልጽ።

    እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ቻይና ካብ ወጻኢ ናይ ከሕክምና ንዋት ከም እተእትው ንውድብ ጥዕና ዓለም ብግቡእ ኣይሓበረትን ይብል።

  8. ጃፓን ንኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣናዊሓ

    ጃፓን እዋን ህጹጽ ሓደጋ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መንግስቲ ጃፓን ነቲ ኣዊጅዎ ዝጸንሐ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ኣናዊሕዎ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊት ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እኳ እንተዘይተርኣየ፡ ከባቢ 15 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉን ከባቢ 500 ከም ዝሞቱን ተረጋጊጹ እዩ።

    ተዓዘብቲ፡ እኹል መርመራታት ከም ዘይተኻየደን ሆስፒታላት ድማ ተጨናኒቐን ምለላወን የጠንቅቑ።

    በዚ መሰረት እቲ ብረቡዕ ዘብቅዕ ዝነበረ፡ ተኣዊጁ ዝጸንሐ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ክሳብ 31 ግንቦት ክቕጽል እዩ።

    እቲ ኣዋጅ፡ ከንቲባታተ ንዋኒናት ክዓጽውን ሰባት ካብ ገዛ ከይወጹ ክኽልክሉን ዘፍቅድን፡ ነቲ ሕጊ ዘየኽብሩ ክቐጽዑ ዘኽእሎምን እዩ።

  9. ኣብ ሓፋሽ መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝወጠነት ኬንያ ተቓውሞ ገጢምዋ

    ኬንያ፡ እቲ ሕማም ብብዝሒ ኣብ ዝተርኣየሉ ከባቢታት ናይ ሓፋሽ መርመራ ኮሮናቫይረስ ጀሚራ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ሓፋሽ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብር ብምውጣን ክኢላታቱ ዘዋፈረ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ፡ ሒደት ሰባት ጥራይ ፍቓደኛታት ኮይኖም ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ።

    መንግስቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ክልተ ነቑጣታት ብምቛም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሰባት ክምርምር ተሊሙ እኳ እንተነበረ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም ተረኺቦም።

    ካብቶም ንመራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ርእይቶኦም ዝሃቡ ብዙሓት፡ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ዘርእዩ ዝስዕብ ናይ ምውሻብ ኩነታትን ጉዳይ ወጻኢታትካ ባዕልኻ ምሽፋንን ከም ዘተሓሳስቦም ተዛሪቦም።

    እቲ መርመራ ብነጻ ከም ዝካየድ ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ብሰንበት ገሊጹ።

    ብዛዕባ'ቶም: ምልክታት እቲ ሕማም ከየርኣዩ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ግና፡ እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ምእንቲ ከየመሓላልፉ፡ ክውሸቡ ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ገለ ክፋል ሰበ ስልጣን ኬንያ፡ ገዛ ገዛ ዝግበር መርመራ ክካየድ ክጠልቡ ጸኒሖም እዮም።

    ካልኦት ሰበ ስልጣን ግና፡ መርመራ ናይ ሓፋሽ ዕውት ዝኸውን፡ መንግስቲ ነቲ ናይ ምውሻብ ወጻኢታት ምስ ዝሽፍኖን ንኩነታት እተን መወሸቢ ማእከላት ምስ ዘመሓይሽ ጥራይ ምዃኑ ይገልጹ።

  10. ድሕሪ ነዊሕ ዕጽዋ ትቕልቀል ዘላ ጥልያን

    ጥልያን ብመስኮት ዝተቐልቀሉ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጥልያን ኣብ ዓለም እታ ፈላሚት ካብ ጫፍ ንጫፍ ዕጽዋ ዝኣወጀት ሃገር እያ። ኢጣልያውያን ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ጽኑዕ ዕጽዋ፡ ሕጂ ገለ ንጥፈታቶም ክቕጽሉ ይፍቀደሎም ኣሎ።

    ኣብ ዞብኦም ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ለቢሶም ኣዝማዶም ክርእዩ፡ ካብ ኣብያተ ብልዒ መግብታት ክእዝዙ ክኽእሉ እዮም።

    “ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን፡ መጻኢ ሃገርና ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ” ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፤ ኢጣልያውያን ጽርየቶም ሸለል ብምባል፡ ነቲ ዘመዝገብዎ ዓወት ኣብ ሓደጋ ከየእትውዎ ኣጠንቂቑ።

    ጥልያን ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጃ፡ እቲ ዝነኣሰ መዓልታዊ ወሰኽ ቁጽሪ ምውታት ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ኣመዝጊባ ኣላ።

    እንተኸነ ግና እቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝገደፎ ስምብራት ዓቢይ እዩ።

    ኣብዚ ዓመት ቁጠባ እታ ሃገር ብ9% ከንቆልቁል ምዃኑ ይግመት።

    ከባቢ 4 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ እዮም።

    ብዙሓት ዋኒናት ግና እቲ ዕጽዋ ብዘስዓበሎም ክሳራ፡ ደጊሞም ኣይክኽፈቱን እዮም።

    ኣብ ጥልያን 210,717 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጸ ኮይኑ 28,884 ሞይቶም እዮም።

  11. ከዋኽብቲ ቴኒስ ግጥማት ኣብ ኦንላይን (ኢንተርነት) ኣካይዶም

    ብኦንላይን ዝተኻየደ ግጥማት ቴኒስ

    ምንጪ ስእሊ, Facebook.com/IMGTennis

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መብዛሕትኡ ስፖርታዊ ውድድራትን ግጥማትን ተቋሪጹ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ገለ ተጻወትቲ ነቲ ክእለቶም ናብ ካልእ ደረጃ ኣስጊሮምዎ ኣለው።

    ፍሉጣት ተጻወትቲ ቴኒስ ንሓድሕዶም ብኮምፕዩተር ኣብ ኦንላይን ይጋጠሙ ኣለው።

    ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ግጥም ተጻወትቲ ቴኒስን ፍሉጣት ሰባትን ተጋጢሞም ብቐጥታ ድማ ተመሓላሊፉ።

    ኣብቲ ግጥማት፡ ኣሕዋት ዊልያምስ፡ ጃፓናውያን ናኦሚ ኦሳካን ከይ ኒሺኮሪን ከምኡውን ሩስያዊት ማርያ ሻራፖቫ ተሳቲፈን።

    ኣሜሪካዊ ታይለር ፍሪትዝን መሻርኽቱን ተዓዋቲ ናይቲ ውድድር ኮይኖም።

    እቲ ውድድር ኣይኤምጂ ብዝተብሃለ ኩባንያን ፌስቡክን ዝተወደበ ኮይኑ እቲ ንሽልማት ዝተወሃበ ገንዘብ ብምልኡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝካየድ ቃልሲ ተወፍዩ።

  12. ታንዛንያ ባህላዊ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ ካብ ማዳጋስካር ክተእትው'ያ

    ባህላዊ ፈውሲ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ታንዛንያ ናይ "እፅዋት ፈውሲ" ኣታዊ ክትገብር እያ

    ፕረዝደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ማዳጋስካር ረኺበዮ ንዝበለቶ "ባህላዊ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ" ናብ ሃገሩ ከምዘእቱ ገሊፁ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ መድሓኒት ከምዝፍውስ መረጋገፂ ከም ዘየለ'ኳ እንተሓበረ፡ ማጉፉሊ ነዚ ዕሽሽ ብምባል፡ ነፋሪት ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ፕረዝደንት ኮንጎ ብራዛቪል እውን፡ ነቲ ማዳጋስካር ብፈሳሲ መልክዕ ዝሰርሐቶ ባህላዊ መድሓኒት ናብ ሃገሩ ከእቱ ከምዝደልይ ገሊፁ ኣሎ።

    እዚ ባህላዊ ፈውሲ፡ መድሃኒት ዓሶ ንምስራሕ ካብ ዝጠቅም ተኽሊ 'ኣርትሚዝያ' ዝተሰርሐ እዩ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ ነዚ ሓዊሱ ካልኦት ባህላዊ ኣፋውስ'ውን ረብሕኦምን ሳዕቤኖምን ስለዘይፍለጥ፡ ሰባት ንከይጥቀሙ ኣጠንቂቑ እዩ።

  13. ገየሽቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ተነጊርዎም

    ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብዚ ሰሙን እዚ ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ገያሾ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክለብሱ ይሓታ ኣለዋ።

    መብዛሕትአን ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ኣሜሪካ ድማ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ንተጓዓዝትን ሰራሕተኛታት በረራን፡ ሓድሽ ፖሊሲ ጥዕናን ድሕነትን የተኣታትዋ ኣለዋ።

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምግባር ድማ፡ ካብቶም ዝውሰዱ ስጉምትታት ሓደ እዩ።

    መገዲ ኣየራት፡ ብዚሒ ተጓዓዝቲ ካብ ምንካይ ብተወሳኺ፡ ሰባት ብብዝሒ ንዝጥቀምሎም ከባብታት፡ ብመምከኒ ኬሚካል የፅርያ።

    እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ዝህሉ ምትንኻፍ ንምንካይ፡ ገያሾ ምግብን መስተን ናይ ባዕሎም ዓሺጎም ከምፅኡ እውን፡ የተባብዑ ኣለዉ።

  14. ፖምፐዮ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ቻይና ከም ዝተበገሰ ‘ዓቢይ ጭብጢ’ ምህላው ይገልጽ

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፐዮ፡ ብቴለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምንጪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ዝርከብ ላቦራቶሪ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ፖምፐዮ ነቲ ዘረባ ዝድግፍ ዝኾነ ጭብጢ ግና ኣየቕረበን።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ዝተመስርሐ ዘይኮነ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝሰገረ ምዃኑ እዩ ዝኣምን።

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቻይና ንለበዳ እቲ ሕማም ከም ዝሸፋፈነቶ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።

    ፖምፐዮ ኣብቲ ምስ ቴለቪዥን ኤቢሲ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ መንግስቲ ቻይና ንዝኾነ መርመራታት ዕጽው ከም ዘይኮነን፡ ምስ ክኢላታት ክተሓባበር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነን ተዛሪቡ።

  15. ትራምፕ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ድሉው ከምዝኸውን ገሊፁ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ቅድሚ 2021 ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትረክብ ምዃና ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።

    ንሱ ምረስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕትት፡ "ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክታበት ከምዝህልወና ብጣዕሚ ርግፀኛታት ኢና" ኢሉ።

    ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተመራመርቲ ከምኡ ዓይነት ክታበት ንምርካብ ዋላ'ኳ እንተተረባረቡ፡ መብዛሕትኦም፡ እቲ ክታበት ኣብ 2021 ጥራሕ ብብዝሒ ከምዝከፋፈል እዮም ትፅቢት ዝገብሩ።

    ይኹን'ምበር ዶናልድ ትራምፕ ብገንኡ ክታበት ከምዝርከብ ምዝራቡን፡ ዝቐርበሉ ነቐፌታን ንምቕባል ድሉው ዝኾነ እዩ ዝመስል።

    "ዶኳትር እዚ ክትብል ኣይግባእን ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግና ዝሓሰብክዎ እየ ዝዛረብ" ኢሉ።