ናይጀርያ ካብ ዕጽዋ ክትወጽእ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናይጀርያ ነቲ ኣዊጃቶ ዝጸንሐት ናይ ዕጽዋን፡ እገዳታት ምንቅስቓስን ከተዝልቖ ጀሚራ።
ኣብ ናይጀርያ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ኣቡጃን፡ ቀንዲ ንግዳዊት ከተማ ሌጎስን፡ ገለ ትካላት ንግዲ ክኽፈታ ጀሚረን።
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ንምብርባር ዝተወስደ’ዩ።
ይኹን ‘ምበር፡ ሓደ ቀንዲ ማሕበር ሓካይም’ታ ሃገር፡ እቲ ስጉምቲ “ግዚኡ ዘይሓለወ’ዩ” ክብል ነቒፉ።
ኣብታ ብጻዕቂ መካይን እትፍለጥ ከተማ ሌጎስ፡ ብዝሒ መካይን ዘይምርኣየን፡ ነበርታ ገና ከም ዘይተኣማመኑ ዘርኢ’ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።
እታ ሃገር ቅድሚ 5 ሰሙን’ያ ዕጽዋ ኣዊጃ።
ሚሊዮናት ዜጋታት ናይጀርያ፡ መነባብሮኦም ካብ-ኢድ-ናብ-ኣፍ ምዃኑ ይፍለጥ።













