‘ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ተዋሒጡ’

ምንጪ ስእሊ, IOM 2020/Liatile Putsoa
ምስ ፈለግ ናይል ዝዋሰን ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ከምዝተውሓጠ’፡ ኣብታ ሃገር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣላይን ኖደሁ ገሊጹ፡፡
በቲ ዕልቕልቕ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት መንበሪ ገዝኦም ገዲፎም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡፡
ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክውስኽ ምዃኑ ዝገለጸ ኣላይን ኖደሁ፡ ቅድም ክብል ብምኽንያተ ጎንጺ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰባት ሕዚ እውን ደጊሞም ከምዝተመዛበሉ ተዛሪቡ፡፡
ብፍላይ ኣብ ዞባ ጆንግለይ እቲ ጉድኣት ዝሓየለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፡፡
ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ትካላት ረድኤት ህጹጽ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ፡፡
ኣብ ሱዳን እውን፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጽሩ ሰባት ብውሕጅ ጉድኣት በጺሕዎም እዩ፡፡
ሩባ ናይል ኣብቲ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ከምዝመለአ ሰብሞያ ይገልጹ፡፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ንቡር ንላዕሊ ክሃርም ዝጸንሐ ዘየቋርጽ ከቢድ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ምህላዉ ይፍለጥ፡፡
ጠንቂ ናይቲ ዘይንቡር ዝናብ እንታይ'ዩ?
ኣብቲ ዞባ ሓያሎ ዝናብ ንኽወርድ ምኽንያት ተገይሩ ዝጥቀስ ኩነታት ኣየር፡ 'ፖዚቲቭ ኢንድያን ኦሽን ዲፖለ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ክስተት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ድማ፡ ብፍላይ ምዕራባዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብቲ ምብራቓባዊ ክፋሉ ብዝበለጸ ክውዒ እንከሎ ዝኽሰት እዩ።
እዚ ብቐጥታ ምስቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ዕልቕልቕ ይራኸብ ኣይራኸብ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እንተኾነ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ ክጋደድ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።
'ክያር' እናተብሃለ ዝፍለጥ ካብ ማእኸል ባሕሪ ዓረብ ዝለዓል ማዕበል ድማ፡ ኣብ ሶማልያ ሓያል ዝናብ ኣስዒቡ ነይሩ።
ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ሱዳን: ሶማል፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ግዳይ ናይቲ ሓደጋ ኮይነን ኣለዋ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







