ኣብ ሱዳን ውሕጅ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም

ዝዓነወ ገዛውቲ ኣብ ወድ ራምሊ ካርቱም ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሱዳን፡ ህቦብላ ብዝተሓወሶ ውሕጅ ከባቢ 62 ሰባት ከም ዝሞቱ ቴለቪዠን እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ኣብታ ሃገር፡ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ብርቱዕ ማይ ብምዝናቡ፡ ኣስታት 200,000 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

እቲ ብወገን ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ጻዕዳ ናይል፡ ብዝያዳ ተሃስዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ ልዕሊ 37,000 ሽሕ ገዛውቲ በቲ ውሕጅ ዝዓነወ ኮይኑ፡ ገና ካልእ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል እዩ ዝንገር ዘሎ።

እቲ ናይ ክራማት ግዜ ድማ ክሳብ መወዳእታ ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ንእሽተይ ጃልባ ዝተሳፈሩ፡ ኣብ ወድ ራምሊ ካርቱም ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንብረቶም ኣብ መኪና እናሰቀሉ ካርቱም ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካብ ውሕጅ ዝተረፈ ንብረቶም እና ኣከቡ ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብውሕ ዝተመዛበሉ፡ ኣብ ወድ ራምሊ ካርቱም ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብውሕጅ ክወሓጥ ቀሪቡ ዘሎ መስጊድ ኣብ ወድ ራምሊ ካርቱም ነሓሰ 25 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

መሰል ዋንነት እዘን ስእልታት ዝተሓለወ እዩ