ኣብ ሱዳን ውሕጅ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሱዳን፡ ህቦብላ ብዝተሓወሶ ውሕጅ ከባቢ 62 ሰባት ከም ዝሞቱ ቴለቪዠን እታ ሃገር ኣፍሊጣ።
ኣብታ ሃገር፡ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ብርቱዕ ማይ ብምዝናቡ፡ ኣስታት 200,000 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
እቲ ብወገን ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ጻዕዳ ናይል፡ ብዝያዳ ተሃስዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ ልዕሊ 37,000 ሽሕ ገዛውቲ በቲ ውሕጅ ዝዓነወ ኮይኑ፡ ገና ካልእ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል እዩ ዝንገር ዘሎ።
እቲ ናይ ክራማት ግዜ ድማ ክሳብ መወዳእታ ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA
መሰል ዋንነት እዘን ስእልታት ዝተሓለወ እዩ
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







