ኣብ ሱዳን ውሕጅ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሱዳን፡ ህቦብላ ብዝተሓወሶ ውሕጅ ከባቢ 62 ሰባት ከም ዝሞቱ ቴለቪዠን እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ኣብታ ሃገር፡ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ብርቱዕ ማይ ብምዝናቡ፡ ኣስታት 200,000 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

እቲ ብወገን ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ጻዕዳ ናይል፡ ብዝያዳ ተሃስዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ ልዕሊ 37,000 ሽሕ ገዛውቲ በቲ ውሕጅ ዝዓነወ ኮይኑ፡ ገና ካልእ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል እዩ ዝንገር ዘሎ።

እቲ ናይ ክራማት ግዜ ድማ ክሳብ መወዳእታ ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ።

መሰል ዋንነት እዘን ስእልታት ዝተሓለወ እዩ