ዕልቅልቕ ሱዳን ኣብ ጥንታዊ ቦታታት ዕንወት ከየውርድ ስግኣት ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ወርሒ ብዝወቕዕ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ፈለግ ኒል (ናይል) ልዕሊ ዓቕን ስለዝመለአ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ኣገዳሲ ጥንታዊ ቦታታት በቲ ዕልቕልቕ ብኸቢድ ከይህሰ ስግኣት ኣንጸላልዩ።
እዚ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝኣተወ ኣል ባጅራውያ ዝተብሃለ ኣብ ዘበነ ማሮእ ዝተሰርሐ ጥንታዊ ስፍራ በዚ ዕልቕልቕ ከይድበ ስክፍታ ተፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ጥንታዊ ቦታ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዕልቕልቕ ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ፡ ኣብ ሱዳን ዝመደበሮም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይገልጹ።
ሰብመዚ ሱዳን ነዚ ጥንታዊ ቦታ ንምክልኻል ኣብ ውሽጡ ዝኣተወ ማይ ብሓገዝ ሞተራት ብምጭንጓዕን ተወሳኺ ማይ ከይኣትዎ ሓመድ ብዝመልአ ክሻታትን ይከላኸሉ ከምዘለዉ’ውን ተሓቢሩ።
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ተመሳሳሊ ዕልቕላቓት ከጋጥማ ጸኒሑ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕልቕልቕ ኣማኢት ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
መንግስቲ ሱዳን’ውን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።
ብሰኑይ ኣብ ሰሜን ካርቱም ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዝርከብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ማይ ከምዝኣተዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እንተኾነ እቲ ሓደጋ ቀሊል ስለዝነበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ስድራቤቱን ካብ ገዝኦም ኣይግዓዙን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







