ኢትዮጵያ፡ ተወሳኺ ሓደጋታት ውሕጅ ከጋጥም ከም ዝኽአል ተገሊጹ

ሩባ ኣዋሽ ብምምልኡ ዝሰዓበ ውሕጅ

ሃገራዊ ትካል ሚቲዮሮሎጂ፡ ኣብቲ ጀሚሩ ዘሎ ክረምቲ ተወሳኺ ሓደጋታት ውሕጅ ከጋጥም ከም ዝኽአል ገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊ ትካል ሜቲዎሮሎጂ ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ትንበያ ኩነታት ኣየር፡ ወ/ሮ ጫሊ ደበሌ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ናይ ክረምቲ ዝናብ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት’ውን ሓደጋታት ውሕጅ ከስዕብ ስለ ዝኽእል ጥንቃቐታት ምግባር ከም ዘድልይ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ኣብ ዞባታት ኣርሲን ምብራቕ ሸዋን ኣብ ዝርከቡ ትሽዓተ ወረዳታትን 42 ቀበሌታትን ከባቢ 20,000 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ 14 ወረዳታት ድማ ብሰንኪ ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ልዕሊ 120,000 ሰባት ሓደጋ ውሕጅ ከም ዘጋጠሞም ኣብቲ ክልል ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ መጠንቀቕታን ኣቶ ማሂ ዓሊ ሓቢሩ።

ብውሕዱ 72,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ’ውን እቲ ካብ ኣቶ ማሂ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ደቡብ ኦሞ ዞን ወረዳ ዳሰነች፡ ክሳዕ ሕጂ ብሰንኪ ውሕጅ ልዕሊ 43 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ተገሊጹ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ዝዘነበ ማይ ዘስዓቦ ውሕጅ ከባቢ 170,000 ነበርቲ ጉድኣት ክበጽሖም እንከሎ፡ 130,000 ድማ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ምክትል ኮምሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ንቢቢሲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ሩባ ኣዋሽ ብምምልኡ 500 ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም

ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ከተማታት ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ዝኾና ከተማታት ወንጂን መተሃራን ጉድኣት ኣብጺሑ ኣሎ።

ኣብ መተሃራ ካብ ዝርከቡ ክልተ ቀበሌታት እቲ ሓደ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ብውሕጅ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ።

ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ታደለ ድሪብሳ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ መተሃራ ዝተኸሰተ ሓደጋ ውሕጅ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ከተማ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ብምዃኑ ሰባት ህይወቶም ኪንዮ ምትራፍ፡ ንብረቶም ከውጽኡ ከም ዘይከኣሉ ሓቢሩ።